Sunday , April 28 2024
(File photo) Credit: Suvad Mrkonjic/TT

ብሰንኪ ብርቱዕ ውርጪን ንፋስን ባቡራት ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ን 24 ሰዓታት ስርሐን ደው ከብላ እየን።

ኣብ ማእከላይን ደቡባዊን ሽወደን፡ ብርቱዕ ውርጪን ንፋስን ክህሉ እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ተገሊጹ። እዚ ካብ ቀላይ ቫኔርን ቫተርን ጀሚርካ፡ ክሳብ ባልቲ ንዘሎ ሰፊሕ ከባቢ ዝሽፍን እዩ ተባሂሉ’ሎ። በዚ ድማ፡ ኣብ ዝቕጽላ 24 ሰዓታት ኣብ ኡስተርጉትላንድ፡ ኡረቦ፡ ካልማር፡ ቫስትራ ጉትላንድን ምምሕዳር ሾንኮፒን ዝርከባ ናይ ባቡር መስመራት ደው ክብላ እየን።

ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክስርሑ ለበዋ ቀሪብሎም ኣሎ። ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ፡ ዝመጽእ ኲነታት ንምቕባል ዘድሊ ቅድመ-ምድላው ይገብራ ምህላወን፡ ኣብ ፋልኮፒ ኣብ ክንክን ሽማግለታት ዝሰርሑ ሰባት ከኣ፡ ኣብ መካይኖም ንመጽረጊ ውርጪ ዝኸውን ባዴላ ይሕዙ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com