Saturday , April 27 2024

ኖርወይ፡ ዝለዓለ መጠን ዓሎቕ ተሌፎን ይኽሰት።

ኖርዌጃውያን፡ ምስ ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ዝለዓለ መጠን ዓሎቕ ተሌፎን ከም ዘጋጥሞም፡ ካብ “ቴላ” ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብ 2022፡ ክሳብ 77 ሚልዮን ናይ ዓሎቕ ናይ ተሌፎን መጸዋዕታ ከም ዘጋጠመ፡ እዚ ድማ ምስ ናይ 2021–ማለት ትሕቲ 37 ሚልዮን እንክወዳደር ብልዕሊ ዕጽፊ ምዝያዱ “ቴላ” ኣመልኪቱ’ሎ። ኖርዌጃውያን ብተዛማዲ ዝሓሸ ፋይናንሳዊ ኲነታት ዘሎዎም ህዝቢ ምዃኖም ብሓደ ወገን፡ ብባህሪ ኸኣ ንሰብ ኣመንቲ ብምዃኖም ሸቶ እዚ ዓሎቕ ምዃኖም፡ ኣብ “ቴላ” ክኢላ ግብረ ዓሎቕ ኦይቪንድ ክሪስተርሰን ን ማዕከን ዜና NTB ገሊጻ። በዚ ድማ ሰባት ኣጠራጣሪ ኮይኑ ዝስምዖም ጻውዒት እንተጋጢምዎም ክዓጽዉዎ፡ ናይ ባንክ ቊጽሪ ሕሳቦም ንማንም ካብ ምሃብ ክቚጠቡን ወሲኻ ኣተሓሳሲባ’ላ።

ሽወደናውያን፡ ፊንላንዳውያንን ዴንማርካውያንን እውን ተመሳሳሊ ብተሌፎን ዝካየድ ዓሎቕ ከም ዘጋጥሞም ማዕከን ዜና “ዘ ሎካል” ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com