Saturday , April 27 2024

ፊንላንድ ካብ ቻይና ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ግዱድ መምርሒታት ከተታኣታቱ’ያ።

ፊንላንድ ካብ ቻይና ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ግዱድ መምርሒታት ከተታኣታቱ እያ ክብል፡ ን ለበዳ ኮሮና ዝከታተል ጒጅለ ዝሓለፈ ሓሙስ ገሊጹ። በዚ ድማ፡ ካብ ቻይና ዝመጹ ሰባት ቅድሚ 48 ሰዓታት ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ወረቐት ምስክር ከቕርቡ፡ ከምኡ’ውን ኣባላት በረራን ተጓዓዝቲን “ማስክ” ክወድዩ ክግደዱ እዮም። ሚኒስተር ጒዳያት ስድራቤትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ክሪስታ ኪሩ፡ ብ ዓርቢ ን YLE ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ቊጽጽር ሓድሽ ጅር እዚ ቫይረስ ከይኣቱ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝግበር ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ዝያዳ ሳየንሳዊ ዳታ ብ ቤይጂንግ ክሳብ ዝዳሎ “ግዜ ንምግዛእ” ይግበር ምህላው ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com