Tuesday , April 30 2024

ፊንላንድ፥ መጠን ሽቕለት ኣረጋውያን ምውሳኽ የርኢ

Credit: Tim Aro/SvD/TT

ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ኣረጋውያን ፊንላንድ ምስ ካልኦት ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ዝወሓዱ ምምባሮም፡ እንተኾነ ግና ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብዚ መዳይ ርኡይ ምዕባለ ከምዘሎ ሓቢሩ። ብፍላይ ኣብ 50-59 ዝዕድሚአን ኣብ ስራሕ ዝዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ፡ፊንላንድ ኣብዚ ሕጂ ምስ ሽወደን ኣብቲ ዞባ መራሒት ኮይና’ላ። እዚ ካብ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ማእከል ስታቲስቲክስ ብሎግ ሃና ሱቴላ ሓቢራ’ላ ። ፊንላንድ ምስ ካልኦት ሃገራት ኖርዲክ ብምንጽጻር ዕድመ ንዝደፍኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ብተዛማዲ ዝተሓተ መጠን ስራሕ ከምዘለዋ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ። ይኹን እምበር ሱቴላ እዚ ኣካል ናይቲ ስእሊ ጥራይ ምዃኑ ኣስሚራትሉ’ላ። ካብ 1990ታት ጀሚሩ፡ ካብ 55 ክሳብ 64 ዝዕድሚኦም ፊንላንዳውያን መጠን ስራሕ ብዘደንቕ መልክዑ ወሲኽ ኣርእዩ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ፊንላንድ ካብ 60-64 ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ብምእታው ን ሽወደንን ኣይስላንድን ብምስዓብ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ ኣላ። ኣብዚ ክሊ ዕድመ ብዘሎ ወፍሪ ስራሕ ዳምስ ኖርወይ ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ኢና ዘለና፡ ንዴንማርክ ድማ ብንጹር ሓሊፍናያ ኢና  ክትብል ሱቴላ ጽሒፋ’ላ። እቲ ኩነታት ኣብ ጒዳይ ደቂተባዕትዮ ክንድቲ ዝተባብዕ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ፊንላንድ መጠን ስራሕ ደቂተባዕትዮ ብተዛምዲ ትሕት ዝበለ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፊንላንድ ኣብ 1990 ካብ ዝነበረን ኣብ መጠን ስራሕ ኣረጋውያን ርኡይ ምንካይ ካብ ዝፈጠረን ቊጥባዊ ምንቊልቋል ከም እተበገስት ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ርኡይ ሕውየት ይረአ ምህላዉ ድማ ተመዝጊቡ’ሎ። 55 ክሳብ 64 ኣብ ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ካብ መፋርቕ 1990ታት ጀሚሩ መጠን ስራሕ ልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ዳርጋ ብዕጽፊ ክልዕል ተራእዩ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዓመታት ለበዳን ቁጠባዊ ምዝሕሓል 2022ን ዝቐጸለ ድልዱል ናይ ምውሳኽ ኣንፈት ዘርኢ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com