Sunday , May 5 2024

ባጤራ ኖርወይ መሊሱ ይደክም

ዋጋ ባጤራ ኖርወይ ክሮነር ኣብ መወዳእታ ​​በዓል ፋሲካ ምንቊልቋል ኣርእዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ምንቁልቋል ትማሊ ሰኑይ ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ክፉት ኮይኑ ኣብ ዝወዓለሉ እዩ ተኸሲቱ። ገለ ፋይናንሳውያን በዚ ክስተት ንጸጋማይ ማእከል መንግስቲ ኖርወይ ይወቕስዎ ኣለዉ። ክሳብ ትማል ሰኑይ ምሸት፡ ሓደ ዶላር ኣመሪካ 10.96 ክሮና፡ ሓደ ዩሮ ድማ 11.77 ክሮና ተሸይጡ። ካብ ሎሚ መፋርቕ ንግሆ፡ ክሮነር ቁሩብ ሓይሉ’ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ’ውን 10.94 ክሮና ክሽረፍ ውዒል’ሎ። እዚ ኣባ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ካብ ዝተራእየ ዋጋ ክሮና እቲ ዝደኸመ ኮይኑ፡ ኣብ ጽድያ 2020 ለበዳ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዝነበረ ድኹም ዋጋ ዝወዳደር እዩ። ሸርፊ ፓውንድ ብሪጣንያ እውን ብተመሳሳሊ 13.73 ክሮና በጺሑ’ሎ። መብዛሕትኡ ምንቁልቋል ዋጋ ክሮና ምስ ምሕያል ዶላርን ዩሮን ዝተኣሳሰር ክኸውን ከሎ፡ ገለ ኣውፈርትን ተንተንቲ ባጤን ግና ብሰንኪ ግጒይ ፖሊሲታት ጸጋማይ ማእከል መንግስቲ ኖርወይ እዩ ይብሉ። “ኣዝዩ ድኹም ኣመራርሓ፡ ዘይርትዓውን ህዝባውን ቀዳምነታት፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ምፍጣር ክብርትታት ዝኽልክል ፖሊሲ ግብሪ፡ ከምእ’ውን ካብ የማንን ጸጋምን ዝመጽእ ፖለቲካዊ ዕንደራታት ኣብ ወፍሪ ዘስዕቦ ሓደጋ ኣዝዩ የዕብዮ’ሎ” ክብል ክኢላ ጒዳያት ፋይናንስን ገዲም ነጋዳይን ኣንደርስ ኦናርሃይም ንጋዜጣ ዳገንስ ኔሪንግስሊቭ ገሊጹ። ኣብ ክልቲኡ ንግዲ ኖርወይን ኣህጉራውን ንግድን ን40 ዓመታት ዘሕለፈ ኦናራይም፡ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ናይ ደላሎ ትካል ካርነጊን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ስርሓትን ንሓያሎ ዓመታት መሪሑ’ዩ። ንሱን ካልኦትን ምድኻም ባጤራ ክሮና ኣብ ኖርወይን ቁጠባዊ ፖሊሲታታን ዘሎ እምነት የንቈልቊል ምህላዉ ዘንጸባርቕ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com