Friday , May 3 2024

ኔታንያሁ፥ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብኣመሪካ ዝግበር ዝኾነ ይኹን እገዳ ከምዝነጽጎ ገሊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤላዊ ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ዝግበር ዝኾነ ይኹን እገዳ ከምዝነጽጎ ገሊጹ። ኔታንያሁ ነዚ ዝገለጸ ኣሜሪካ ናብ ሓደ ኣሃዱ ዝፍኖ ሓገዝ ክትቆርጽ መደብ ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጻ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ትማል ሰንበት ነዚ ብምሉእ ሓይሉ ክቃለሶ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣቐዲሙ’ውን መርበብ ሓበሬታ ኣክሲዮስ፡ ኣመሪካ ኣብ’ቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ ብዝብል ምኽንያት፡ ንቦጦሎኒ እስራኤል ነጻህ የሁዳ ዒላማ ክትገብር ምዃና ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ብእስራኤል ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ገዚፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሙ ድሕሪ ምኽሳስ ኣመሪካ ንኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክቑረጽ ከምዝኽእል ዝገልጽ ጸብጻባት ኣመልኪቱ ዝተሓተተ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ውሳነ ደጊም ሓሊፉ እዩ፥ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክትግበሩ ክርእዮም ኢና ክብል ተሰሚዑ እዩ። ቀንዲ መሓዛ እስራኤል ምዃና ዝንገረላ ዋሺንተን፥ ቅድሚ ሕጂ ንሓንቲ ኣሃዱ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል እትህቦ ሓገዝ ደው ኣቢላ ኣይትፈልጥን። ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ነጻህ የሁዳ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ትማሊ ሰንበት ኣክሲዮስ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰለስተ ምንጭታት ኣመሪካ ብምጥቃስ ሚስተር ብሊንከን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ኣንጻር ነጻህ የሁዳ ዝወስድዎ ስጉምቲ ክእውጅ ትጽቢት ከምዝግበር ገሊጹ እዩ። እዚ ስጉምቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግህሰት ዝምልከት እዩ። ኣብቲ እዋን ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ዕሙቕ ዝበለ ገበናዊ መርመራን ምሉእ ተሓታትነትን ክረጋገጽ ጸዊዓ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com