![](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2024/02/8e7cd598-881a-4c86-bf42-08970dc4cd20.webp)
Credit: Dave Russell/Radio Sweden
ሽወደን ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ከም እትርከብ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖሓቢሩ። ስርሒታት ስለያ ሩስያ ንጸጥታ ሽወደን ዓቢ ስግኣት የስዕብ ምህላዉ ሳፖ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻቡ ገሊጹ’ሎ። ተግባራት ሓይልታት ወጻኢ፥ ጎነጻያንን ጥሩፋትን ተሓዋዊሱ ስግኣታት ጸጥታ ሽወደን እናተደራረቡ ይመጽ ኣለዉ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።