Tuesday , June 25 2024

ብኣሽሓት ዝቑጸራ መካይን ብሰንኪ ለውጢ ቴክኖሎጂ ንመገዲ ዘይበቕዓ ክበሃላ ይኽእላ እየን ተባሂሉ

Credit: Balazs Mohai/AP

ብዙሓት ወነንቲ መካይንን እንተላይ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት፥ መካይኖም ኣብ ዝግበረለን መርመራ ወዲቐን ኣብ ጎደና ክረኣእያ ዘይበቕዓ እየን ክበሃላ ዓብዪ ተኽእሎ ምህላዉ ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፥ እቲ ተሽከርካርቲ ከቢድ ሓደጋ እንተ ኣጋጢምወን ብኣውቶማቲክ ነጻ 112 ህጹጽ ጻውዒት ዝገብር ስርዓተ ኢ-ኮል፡ ብመንገዲ 2Gን 3Gን መርበባት ዝዓዪ ብምዃኑ፡ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ዓመት ክጠፍእ ትጽቢት ብምህላዉ እዩ። ኣብቲ በዓል መዚ ዝሰርሕ ኣንደርሽ ጉነሪዮሶን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ዓብዪ ጸገም ክኸውን ከምዝኽእል፡ እንተኾነ ግን ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ዘተ ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com