Friday , July 12 2024

ብዛዕባ ኣትክልቲ

ኣትክልቲ፡ ከም እንዕዘቦም ቀጠልያ ሕብሪ ዝውንኑ ኮይኖም- ንመግቢ ሰብን እንስሳን ዝውዕሉ፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ሰሓቢ መልክዕ ስለ ዘለዎም ንመጸባበቒ ገዛ እንጥቀመሎም ኣብ ድሕነት ኣከባቢ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዘበርክቱ ህያብ እዮም። ሰባት ብቐሊሉ ክርድእዎ ዘይክእሉ ነገራት ሒዞም ከኣ ይርከቡ።

ኣትክልቲ፡ ኣብ ሓደ ኮፍ ምስ በሉ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከም ዘየርእዩ እዩ እውን ዝመስለና። ኣትክልቲ ግዳ፡ ብሰራውር – ማለት ብትሕቲ መሬት ነንሕድሕዶም ይራኸቡ እዮም።ኣትክልቲ፡ ኣብ ሓደ ኮፍ ምስ በሉ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከም ዘየርእዩ እዩ እውን ዝመስለና። ኣትክልቲ ግዳ፡ ብሰራውር – ማለት ብትሕቲ መሬት ነንሕድሕዶም ይራኸቡ እዮም።

ኣትክልቲ፡ ናይ ምሽታት ክእለት ወይ ዓቕሚ ኣለዎም። ናይ ምሽታት ክእለት ወይ ትዕድልቲ ዝብል ሓሳብ ከነልዕል እንከለና፡ ፈለማ ኣብ ኣእምሮና ዝመጹ እንስሳታት እዮም። ምኽንያቱ፡ እንስሳታት ብፍላይ ድማ ከልብን ሻርክ ዝተባህለ ዓይነት ዓሳን፡ ልዕሊ ዝኾነ ናይ ምሽታት ክእለት ከም ዘለዎም ስለዝንገረና።

 እንተኾነ፡ ኣትክልቲ ናይ ምሽታት ክእለት ኣለዎም ኢልና ሓሲብና ንፈልጥዶ?

ብመሰ ረት ዝተገብረ መርመራ ግን፡ ኣትክልቲ ብሂወት ንኽነብሩ ዝሕግዞም ሓደ መንገዲ፡ ናይ ምሽታት ክእለቶም እዩ። ዳንኤል ቻሞቪትዝ ዝተባህለ ቦታኒስት ወይ ናይ ስነ-ገረብ ተመራማሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣትክልቲ ፍሪኦም ምስ ዝበስል፡ ሓበሬታክህቡ ከም ዝኽእሉ እዩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ጥቓኦም ዝርከቡ ኣትክልቲ ክቑረጹን ብዝጠመዩ እንስሳታት ክብልዑን እንከለዉ፡ ክሕብሩ ተኽእሎ ኣለዎም።

ኣብ መጀመሪያ 20 ክፍለ-ዘመን ፍራንሲስ ዳርዊን ወዱ ንቻርለስ ዳርዊን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣትክልቲ ብርሃን ዝሰማምዖም ዋህዮታት ከም ዘለዎም እዩ ኣብሪሁ። እዞም ዋህዮታት እዚኣቶም፡ ድሕሪ መርመራ ‘ocelli’ ዝብል ስም እዩ ተዋሂቡዎም። ኣትክልቲ፡ በዚኦም ዋህዮታት ተሓጊዞም ክርእዩ ከም ዝኽእሉ እዩ እምበኣር ዝግለጽ።

ከምቲ ደቂ ሰባት፡ ካፌይን ብዘለዎም ትሕዝቶ ዝውለፉ፡ ንህቢ እውን በዚ ተጠቃዒ እዩ። 55 ሚእታዊት – ካብ ዕንበባ ዘውጽኡ ኣትክልቲ ካፌይን ኣብ ምጸምጸ የፍርዩ። በዚ ድማ እዞም ኣናህብ ካብ ኣብ ካልኦት ዓይነት ዕንበባታት ኣብዘን ዕንባባታት ዝያዳ ክሰሓቡ ይረኣዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com