Monday , May 20 2024

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2019 ቊጠባ ሽወደን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ምጉዳል የርእይ!!

ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2019 ቊጠባ ሽወደን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ተቓርኖ ኣርእዩ ክብክ በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ዳታ ኔት ሰደድ ምድኻሙን ምጒዳል ወፍሪ ከም ዝተመዝገበን ተገሊጹ።

በዚ መሰረት ሓፈሻዊ እቶት እታ ሃገር ምስ ናይ 2018 እንክወዳደር ብ 0.1 ሚእታዊት ምጒዳሉን ሓፈሻዊ ዕቤት ቊጠባ 1.4 ሚእታዊት ጥራይ ምንባሩን ተመልኪቱ’ሎ። “ቊጠባ ሽወደን ኣሳጒማ ጎብየ እየ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ኣሻቓሊ ተርእዮ ቊጠባ እዩ” ይብል ሆልግረን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com