Sunday , April 28 2024

ካብዝን ካብትን

ደርፊ ABBA “ዋተርሉ” 50 ዓመታ መሊኣ

ህቡብ ጒጅለ ሙዚቃ “ኣባ” ኣብ 1974 ኣብ ዩሮቪዥን ዘዐወተቶም ዋተርሉ ዘርእስታ ደርፊ ብቕድሚ ትማል ትማሊ ሰንበት 50 ዓመታ መሊኣ። ድሕሪ ዓወቶም ኣብ ዝነበራ ዓመታት ዓቢ ኣህጉራዊ ተቐባልነት እኳ እንተረኸቡ፡ ሙዚቃ ኣባ ኣብ ሽወደን ከምቲ ናይ ደገ ዘይኮነ ዝተመቓቐለ ርእይቶታት እዩ ዘሎ። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ክኢላታት ውሽጢ ዓዲ ን “ሸቐጣዊ” ባህሪ ናይተን ውሩያት ደርፍታቶም ይነቕፉ ኔሮም እዮም። “ኣባ ናይ ኲሉ ግጒይ …

Read More »

ካብ ልዕሊ ክብደት ዝኾኑ ወለዲ ዝወጹ ቆልዑ ልዕሊ ክብደት ናይ ምዃን ዕድሎም ዝለዓለ እዩ ተባሂሉ

ወለዶም ልዕለ ክብደት ዝኾኑ ቆልዑ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ከራሻት ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ሓዲኦም ወላዲ ልዕሊ ክብደት ምስ ዝኸውን ነቲ ተኽእሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ኣብ ኢጣልያ ቬኒስ ኣብ ዝካየድ ኤውሮጳዊ ጉባኤ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ዝርዝር ሓበሬታ ቁመትን ክብደትን ኣብ ማእከላይ ዕድመ (40-59 ዓመት) ዝርከቡ ወለዲን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ደቆምን ጽኑዕ ምትእስሳር …

Read More »

ፍቱዋት ማርከስን ማርቲነስን ንሽወደን ወኪሎም ኣብ ውድድር “ዩሮቪዥን” ክሳተፉ እዮም

ኖርወጃውያን ማናቱ ማርከስን ማርቲነስን ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደርፊ ሽወደን ሜሎዲፌስቲቫለን ተዓዊቶም። ዘዐወተቶም ንጽል ደርፍ “ዘይርሳዕ” ዘርእስታ እያ። እዞም ኣብ መጀመርታ ዕድመ ኮተቴነት ኣትሒዞም ኮኾባት ዝኾኑ ማናቱ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ማልሞ ክወዳደሩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ከምዘለዉ ገሊጾም ኣለዉ። ”ሽወደን ወኪልና ኣብ ዩሮቪዥን ክንሳተፍ ምዃና ዓብዪ ክብሪ እዩ” ክብሉ ድማ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

ኖርወጃውያን ማናቱ ኣብ ሜሎዲፌስቲቫለን ንምዕዋት ይጽዕሩ

ኖርወጃውያን ማናቱ ደረፍቲ ማርከስን ማርቲኑስን ጽባሕ ቀዳም ኣብ ዝኻየደ ውድድር ፍጻመ ዩሮቪዥን ሽወደን ካብ ዝኣተዉ ፍቱዋት ተወዳደርቲ ምዃኖም ሕሩያት ዝምልምል መደብ ቲቪ ሜሎዲፌስቲቫል ገሊጹ’ሎ። እዞም ማናቱ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ንሎሪን ብምስዓብ ዝተዓወቱ ኮይኖም፡ ንሽወደን ወኪሎም ኣብ ማልሞ ምስታፎም ክብሪ ከምዝኸውን እዮም ዝዛረቡ። ሓደ ካብ ቀንዲ መወዳድርቶም ካልእ ናይ ክልተ ሰባት ባንድ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቻርት ስትሪሚንግ ሽወደን …

Read More »

ምስልቻው ድዩ ውይስ ጸቕጢ ናይ ስራሕ፧ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ስራሕ ቦታ ዘይሕጉስነት ዘስዕቡ ዘገርም ጠንቅታት።

ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝለዓለ ምስልቻውን ክቱር ድኻምን የጥቅዖም ኣሎ ክብል ኣብዚ ቀረባ እዋን ብትካል ጥዕና ኣከባቢ ስራሕ ፊንላንድን ቤት ትምህርቲ ቢዝነስ ኤምሊዮንን ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እቲ ኣብ መጽሔት ሞያዊ ባህሪ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ነቲ ብዛዕባ ጠንቂታት ምስልቻን ድኻምን ሰራሕተኛታት ኣመልኪቱ ክወሃብ ዝጸንሐ ልሙድ ኣረኣእያታት ዝፈታተን ኮይኑ፡ ብዝሒ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣገዳስነት ናይቲ ስራሕ እውን ብ ተዛማዲ ዘጉልሕ እዩ። እቲ …

Read More »

ኣብ ማልሞ ንዩሮቪዥን (Eurovision) 600 ወለንተኛታት የድልዩ ኣለኡ።

ኣብ ማልሞ ዝርከቡ ኣዳለውቲ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ግንቦት ንደገፍትን ልኡኻትን ንምቕባል 600 ወለንተኛታት ይደልዩ ኣለዉ። ኣተሓባባሪ ወለንተኛታት ዮሃን ሮኒንግ፡ ድሮ ኣብቲ ዝቐርብ ዝተፈላለየ ግደታት ዓቢ ተገዳስነት ከም እተዓዘበ ይገልጽ። ኣብዚ ብፍላይ ጽቡቕ ክእለት ቋንቋ ዘለዎም ኣመልከትቲ ይድለዩ ኣለዉ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።

Read More »

“ደቂተባዕትዮ ዝያዳ ፒሳ የህልኹ”–መጽናዕቲ “ፊኒሽ ባሮሚተር”

ፉዶራ ዝተባህለ ኣገልግሎት ምብጻሕ መግቢ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ፍልልይ ትእዛዝ መግቢ ንምግላጽ መጽናዕቲ ኣካይዱ። እቲ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ተጠቀምቲ ናይቲ ብዓይነት ዝተዳለወ ፒዛ ክኾኑ እንከለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዝተፈላለዩ መግብታት ናይ ምስትምቓር ዝንባለ ከም ዘለወን ኣለልዩ’ሎ። ኣብ ጽድያ 2023 ብ ግሬት ፊኒሽ ፉድ ባሮሜተር” ንምርጫ መግቢ ክልቲኡ ጾታታት ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ፡ ደቂ …

Read More »

ተዓዋቲት ኖቤል ፊዚክስ 2023 እቲ ሽልማት ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘሰክማ ገሊጻ።

ተዓዋቲት ኖቤል ፊዚክስ 2023 እቲ ሽልማት ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘሰክማ ገሊጻ። ኣን ል ሁይሊየር ኣብ ምፍራይ ኣቶሰከንድ ናህሪ ብርሃን ብዝተገብረ ሜላታት ፈተነ፡ ጎኒ ጎኒ ፒየር ኣጎስቲኒን ፈረንክ ክራውስን ኣብ 2023 ንሽልማት ፊዚክስ ተዓዊታ እያ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ናይ ሓላፍነት ስምዒት ከም ዝስምዓ ትዛረብ፡፡ ”ሕጂ ከም ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ክነብር ክግደድ እየ!” ትብል። ኣን ል ሁሊየር፡ …

Read More »

ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ጄሚ ፎክስ ብጾታዊ ምድፋር ተኸሲሱ

ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ጄሚ ፎክስ፡ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙብዝብል ተኸሲሱ። ብመሰረት እቲ ክሲ፡ ትኽክለኛ ስሙ ኤሪክ ማርሎን ቢሾፕ ዝኾነ ፎክስ፡ ነታ ስማ ዘይተጠቕሰት ጓለንስተይቲ ምስኡ ክትስኣል ድሕሪ ምሕታት ክተናኽፋ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ። ከሳሲብ ን ፎክስ ጾታዊ መጥቃዕቲን ጎነጽን ፈጺምካ ክብል ከሲስዎ’ሎ። ጠበቓ ፎክስ፡ ብ ቢቢሲ ርእይቶ ክህብ ንዝቐረበሉ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ስልማት ልደት መዓስ ይጀመር?

ኣብ ሽወደን ን በዓል ልደት ኣመልኪቱ ዝግበር ምስላም መዓስ ክጅመር ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣብ ሰባት ፍልልይ ምህላዉ ተገሊጹ። ብያታ ኣብ ሽወደን ስልማት ልደት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ታሕሳስ ማለት ቅድሚ ልደት ኣርባዕተ ሰናብቲ ኣትሒዙ ዝጅምር ኮይኑ፡ ገለ ሰባት ግን ኣዝዮም ኣቐዲሞም ገዝኦም ብባህላዊ መብራህቲ ከስልሙን ናይ በዓል ሃዋሁ ክፈጥሩን ከም ዝመርጹ ሬድዮ ሽወደን ተዓዚባ። ካብዚ ሓሊፎም ገሊኦም ን ወርሒ ሕዳር ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com