Monday , May 13 2024

ተዓዋቲት ኖቤል ፊዚክስ 2023 እቲ ሽልማት ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘሰክማ ገሊጻ።

Credit: Fredrik Sandberg

ተዓዋቲት ኖቤል ፊዚክስ 2023 እቲ ሽልማት ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘሰክማ ገሊጻ። ኣን ል ሁይሊየር ኣብ ምፍራይ ኣቶሰከንድ ናህሪ ብርሃን ብዝተገብረ ሜላታት ፈተነ፡ ጎኒ ጎኒ ፒየር ኣጎስቲኒን ፈረንክ ክራውስን ኣብ 2023 ንሽልማት ፊዚክስ ተዓዊታ እያ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ናይ ሓላፍነት ስምዒት ከም ዝስምዓ ትዛረብ፡፡ ”ሕጂ ከም ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ክነብር ክግደድ እየ!” ትብል። ኣን ል ሁሊየር፡ ካብ 1990ታት ኣትሒዛ ኣብ እትሰርሓሉ ዘላ ሽወደናዊ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ እናመሃረት እንከላ እያ እታ ተዓዋቲት ኖቤል ምዃና እተበስር ጻውዒት ቴለፎን ተቐቢላ። ድሕሪቲ ብስራት ከኣ ብምሒር ታሕጓስ ነቲ ናይ ምስትምሃር ዕዮኣ ን ምውዳእ ተጸጊማ ምንባራ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com