Saturday , April 27 2024

ካብ ልዕሊ ክብደት ዝኾኑ ወለዲ ዝወጹ ቆልዑ ልዕሊ ክብደት ናይ ምዃን ዕድሎም ዝለዓለ እዩ ተባሂሉ

ወለዶም ልዕለ ክብደት ዝኾኑ ቆልዑ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ከራሻት ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ሓዲኦም ወላዲ ልዕሊ ክብደት ምስ ዝኸውን ነቲ ተኽእሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ኣብ ኢጣልያ ቬኒስ ኣብ ዝካየድ ኤውሮጳዊ ጉባኤ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ዝርዝር ሓበሬታ ቁመትን ክብደትን ኣብ ማእከላይ ዕድመ (40-59 ዓመት) ዝርከቡ ወለዲን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ደቆምን ጽኑዕ ምትእስሳር ከምዘለዎ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ’ሎ። ኣብዚ ኣርእስቲ መሪሕ ተመራማሪት ማሪ ሚከልሰን፡ ካብ ክፍሊ ማሕበረሰባዊ ሕክምና ዩኣይቲ ኣርክቲክ ዩኒቨርሲቲ ኖርወይ፡ “ካብ ዝሓለፉ መጽናዕትታት ኣብ መንጎ ወለድን ደቆምን ብዛዕባ ዝኽሰት ልዕሊ ክብደት ናይ ምዃን ተርእዮ ሓያሎ ረቛሒታት ኣበርክቶ ከም ዝገብሩ ንፈልጥ ኢና” ትብል። “ጂናት ኽብደት ሰብነትናን ተቓላዕነትናን ብምጽላው፡ ኣካላትና ስብሒ ንዝፈጥር ከባቢታት ብኸመይ ምላሽ ከም እንህቦን ብምጽላውን ኣገዳሲ ተራ ይጻወቱ እዮም። እቶም ተመራመርቲ ካብቲ ኣብ ኖርወይ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ ጥዕና ትሮምሶ ስቱዲ ዝተረኽበ መረዳእታ እውን ኣገዳሲ ግብኣት ከም ዝኾኖም ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com