Tuesday , May 7 2024

ኣብ ሽወደን ስልማት ልደት መዓስ ይጀመር?

(AP Photo/Iya Forbes) LRC810

ኣብ ሽወደን ን በዓል ልደት ኣመልኪቱ ዝግበር ምስላም መዓስ ክጅመር ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣብ ሰባት ፍልልይ ምህላዉ ተገሊጹ። ብያታ ኣብ ሽወደን ስልማት ልደት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ታሕሳስ ማለት ቅድሚ ልደት ኣርባዕተ ሰናብቲ ኣትሒዙ ዝጅምር ኮይኑ፡ ገለ ሰባት ግን ኣዝዮም ኣቐዲሞም ገዝኦም ብባህላዊ መብራህቲ ከስልሙን ናይ በዓል ሃዋሁ ክፈጥሩን ከም ዝመርጹ ሬድዮ ሽወደን ተዓዚባ። ካብዚ ሓሊፎም ገሊኦም ን ወርሒ ሕዳር ከም መጀመርታ ልደት ጌሮም ይጽውዕዋ ኣለዉ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ንዝርከቡ ሸመትቲ ብዛዕባ እዚ ልማድ እንታይ ከምዝሓስቡ ተወኪሳ ኔራ። ሓንቲ ካብዞም መለስቲ ሻርሎት እዚ ልማድ ንሰባት ዘሐጉስ እንተኾይኑ ጸገም የብሉን ኢላ ትሓስብ። ሶንጃ ግን ያታዊ ኣገባብ ከም እትፈቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ ዕለታት ከተዛብዕ እንተጀሚርካ ኣብ መፋርቕ ሳመር ልደት እንተዘየብዓልኩ ምባልካ ስለዘይተርፍ እዚ ጽቡቕ ኣይመስለንን ብምባል ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com