Monday , May 13 2024

ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ጄሚ ፎክስ ብጾታዊ ምድፋር ተኸሲሱ

Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ጄሚ ፎክስ፡ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙብዝብል ተኸሲሱ። ብመሰረት እቲ ክሲ፡ ትኽክለኛ ስሙ ኤሪክ ማርሎን ቢሾፕ ዝኾነ ፎክስ፡ ነታ ስማ ዘይተጠቕሰት ጓለንስተይቲ ምስኡ ክትስኣል ድሕሪ ምሕታት ክተናኽፋ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ። ከሳሲብ ን ፎክስ ጾታዊ መጥቃዕቲን ጎነጽን ፈጺምካ ክብል ከሲስዎ’ሎ። ጠበቓ ፎክስ፡ ብ ቢቢሲ ርእይቶ ክህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበሉን። ​​እታ ሰበይቲ ኣብ ጎኒ ፎክስ ኣብ ዝርከብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢላ እናሃለወት፡ ብ 26 ነሓሰ 2015 ንግሆ ከባቢ ሰዓት 01፡00 ኣብ ካች ኒውዮርክ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠማ እቲ ክሲ ይገልጽ። እቲ ተዋሳኣይ ሰኺሩ ምንባሩ ምስኡ ክትሰኣል ምስ ሓተተቶ ኸኣ  እዋእ ንኣኺ ትኣክል ጓል ደስ እናበለኒ ብምባል ምስኣ ከም እተሰማምዐ እቲ ክሲ ወሲኹ ይሕብር። ወሲኹ ድማ እታ ተደፋሪት ናይ ሱፐርሞዴል ቊመና ከም ዘለዋን “ጨና ኣካላታት ከም ዝማረኾን” ከም እተዛረባ ይገልጽ። ናብ ሓደ ጽምው ዝበለ ክፋል ናይቲ ቤት መግቢ መሪሑ ኣጥባታ ተንኪፉ ኣእዳዉ ኣብ ውሽጣዊ ክዳና ብዘይ ፍቓዳ ከም ዘእተዋ እቲ ክሲ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እቲ ፍጻመ መሓዝኣ ክትደልያ ምስ መጸት ከም እተዝዛዘመ ሓቲቱ’ሎ። ብዘይካዚ እቲ ክሲ፡ ካብ ወናኒ ቤት መግብን ባርን ማርክ በርንባም ውን ካሕሳ ሓቲቱ’ሎ። በርንባምን ሰራሕተኛታት እቲ ቤት መግቢን፡ ንከሳሲት ምክልኻል ብዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ልዕሊ እታ ከሳሲ ዝነበሮም ሻራዊ መርገጺ ከም ዝነበሮምን ጠቒሱ’ሎ። በርንባም ትማሊ ረቡዕ ምሸት ካብ ቢቢሲ ርእይቶ ክወሃቦ ንዝቐረበሉ ሕቶ ቅልጡፍ መልሲ ኣይሃበን። ከም ውጽኢት ናይቲ ጽዩፍ ተግባራት እታ ጓል ኣንስተይቲ ከቢድ ጭንቀትን፡ ውርደት፡ ሕፍረት፡ ተወሳኺ ጸቕጥን ካልእ ስምዒታዊ ጉድኣትን የጋጥማ ምህላው ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ’ሎ። ፎክስ ኣብ 2004 ኣብ ዝተሰርሐት ፊልም “ሬይ” ከም ፒያኒስት ሬይ ቻርለስ ኮይኑ ብዘርኣዮ ብሉጽ ጥበብ ተዋስኦ ተዓዋታይ ሽልማት ኣካዳሚ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com