Saturday , May 11 2024

ምስልቻው ድዩ ውይስ ጸቕጢ ናይ ስራሕ፧ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ስራሕ ቦታ ዘይሕጉስነት ዘስዕቡ ዘገርም ጠንቅታት።

Cropped view of person hands typing on laptop computer

ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝለዓለ ምስልቻውን ክቱር ድኻምን የጥቅዖም ኣሎ ክብል ኣብዚ ቀረባ እዋን ብትካል ጥዕና ኣከባቢ ስራሕ ፊንላንድን ቤት ትምህርቲ ቢዝነስ ኤምሊዮንን ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እቲ ኣብ መጽሔት ሞያዊ ባህሪ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ነቲ ብዛዕባ ጠንቂታት ምስልቻን ድኻምን ሰራሕተኛታት ኣመልኪቱ ክወሃብ ዝጸንሐ ልሙድ ኣረኣእያታት ዝፈታተን ኮይኑ፡ ብዝሒ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣገዳስነት ናይቲ ስራሕ እውን ብ ተዛማዲ ዘጉልሕ እዩ። እቲ ንሰራሕተኛታት ፊንላንዳውያንን እንግሊዛውያንን ዳህሳስ ዝገበረ መጽናዕቲ፡ 40–50% ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ብቐጻሊ ምስልቻው ከምዘጋጥሞም ኣረጋጊጹ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንግድ ኤምሊዮን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ሎታ ሃርጁ፡ “ንነዊሕ ዝኸደ ምስልቻው፡ ክረአ ዘለዎ ሕማም እዩ” ትብል። ብኣንጻር እቲ ብዙሓት ዝኣምነሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስራሕ ዝፍጠር ምስልቻው ብሰንኪ ሕጽረት ዝስራሕ ነገር ዘይኮነ ምስ ሕጋዊ ዕማም ሓደ ሰራሕተኛ ዘይተኣሳሰሩ ስራሓት ምዃኖም ኣጣሊሉ’ሎ። እዞም “ዘይሕጋውያን” ዕማማት፡ ቢሮክራስያዊ ማሕለኻን ካልእ ዘይምልከቶም ዝተፈላለየ ዕማማትን ሓዊሱ፡ ንሰራሕተኛት ስልችዋት ኣብ ልዕሊ ምግባሮም ስራሕ ንኽብደል ዓብዪ ኣበርክቶ ከም ዝገብሩ ተለልዮም ኣለዉ። “ኣብ ስራሕ ምስልቻ ዝመጽእ እኹል ስራሕ ካብ ዘይምህላው፡ ወይ ብብዝሒ ስራሕ ካብ ምድኻም ዝመጽእ እዩ ዝብል ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ ግጒይ እዩ” ትብል ሎታ ሃርጁ። እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ምስልቻው ከም ምጉዳል ጽዕነት ስራሕ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ትካል ጥዕና ስራሕ ፊንላንድ ክኢላ ተመራማሪት ፒያ ሴፓላ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ኣገደስቲ ዕማማት ከም ዝተዋፈሩ ንምርግጋጽ፡ ፈተሻ ዕማም ስራሕ ክካየድ ትላቦ ። ብዘይካዚ ሰራሕተኛታት ምስ ድሌታቶምን ክእለቶምን ዝሰማማዕ ሓደስቲ ብድሆታት ዝወስዱሉ ኣገባባት ክተኣታቶ ይግባእ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ትካል ሞያዊ ጥዕና ፊንላንድ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ጃሪ ሃካነን ብወገኑ “ኣብ ስራሕካ መሃዝነት ምትእትታው ፡ ጽምዶ ስራሕ ብምውሳኽ ካብ ምስልቻን ምድኻምን ከናግፍ ይኽእል እዩ” ይብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com