Sunday , June 16 2024
Credit: Anna Silfverstolpe/Sveriges Radio

ጸጋማይ ሰልፊ፡ ”ስጉምቲ ክሊማ ልዕሊ ረብሓ ዕዳጋ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ”

ከም ኣካል ናይቲ 9 ሰነ ዝካየድ ክካየድ ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ ኣመልኪታ ሬድዮ ሽወደን ካብ ዓበይቲ ውድባት ንዝመጹ ላዕለዎት
ኣስማት እተግብሮ ዕላል ምስ ዮናስ ሾስተድ ቃለ መሕትት ኣካዪዳ’ላ። ትማል ሰሉስ ተራ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ መራሒ ጸጋማዊ ሰልፍን
ኣባል ባይቶ ኤውሮጳ ነበርን ዮናስ ሾስተድ እዩ ኔሩ። ንሱ ናብ ፖለቲካ ኤውሮጳ ምምላስ ህጹጽ ኣድላይነት ከም ዝስምዖ ኣብቲ ቃለ
መሕትት ገሊጹ’ሎ።
“እቶም ዓበይቲ ትካላት ንግድን ኮርፖሬሽናትን ፖሊሲታት ሕብረት ኤውሮጳ ከካይዱ ኣይንደልን ኢና። ነቲ ዘካይዱዎ ናይ ደግፉና ጎስጓስ
ከምኡ’ውን ኣብ ሕጊ ዘለዎም ጽልዋን ዝጻረር ስራሕ ክንዓምም መደብ ኣለና” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ
ሰልፊ ዲሞክራትና ዘለዎም ህዝባዊ ተቐባልነት ካብቲ ኣብ መንግስቲ ዝዓበየ ሰልፊ ዝኾነ ሞደራትና ምሕላፉ ኢንዲካተር ኦፒንዮን
ብስም ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ምርጫ፡ ሞዴራትና ምስ ናይ ጥምረት መሻርኽቱ፡
ክርስትያን ዲሞክራትን ሊበራላውያንን፡ ጽልዋ ዲሞክራትና ሽወደን ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ መንግስቲ ወግዓዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስምምዕ
ፈሪሞም። ኢንዲካተር ኦፒንዮን ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘካየዶ ሓድሽ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ዲሞክራስያውያን ሽወደን 22.5
ሚእታዊት፡ ሞደራራት ድማ 18.3 ድምጺ ኣመዝጊቦም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንኽልቲኦም ሰልፍታት
ዝግበር ደገፍ ብማዕረ ተኸፋፊሉ ነይሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com