Wednesday , May 22 2024
Pope Francis (AP Photo/Andrew Medichini) AJM

ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ክታበት መግለጺ ፍቕሪ እዩ ክብል ገሊጽዎ

ለበዳ ኮሮና ንምቊጽጻር ዘኽእል ክታበት ምርካቡ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ንፈጣሪን ካልኦት ነዚ ክዉን ዝገበሩ ኩባንያታትን ውልቀ ሰባትን ኣመስጊኖም ክብል ማዕከን ተተ ጊሊጹ።

በዚ ድማ ወዲሰብ ነዚ ለበዳ ከጥፍኦ ተስፋ ከም ዝረኸበ እዞም መራሒ ሃይማኖት ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ዝኸውን ግና ናብ ኲሉ ሰብ ክባጻሕ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ ክብሉ ኣመልኪቶም።

ክትባት ብዛዕባ ጥዕናን ድሕነትን ካልኦት ከም እንግደስ እነርእየሉ ሓደ መሰረታውን ቀሊልን ኣገባብ እዩ ክብሉ እቶም ጳጳስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቪድዮ ሓቢሮም ኣለዉ። ኲሎም ሰባት ኣብዚ ክትባት ብምስታፍ ንኻልኦት ዘለዎም ፍቕሪ ዘርእዩሉ ዕድል ክጥቀሙሉ ድማ ጻውዒት ጌሮም ኣለዉ።

እዛ ቪድዮ ብተበግሶ ኣመሪካ ዝመደብሮም Ad Council ከምኡውን Covid Collaborative ዝተባህሉ ክትባት ዘተበብዑ ትካላት እዩ ተኻዪዱ።

84 ዝዕድሜኦም፡ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ዝሓለፈ ጽድያ ከም እተኸትቡ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com