Tuesday , May 21 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

መስርሕ ክሲ ተኸሰስቲ ትካል ክንክን ህጻናት ተጀሚሩ።

መስርሕ ፍርዲ ናይቶም ጠንቂ ሞት ወዲ 5 ዓመት ህጻን ብምዃኖም እተኸሰሱ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ቫርምላንድ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። እዞም ኣብ ትካል ክንክን ህጻናትን ቆልዑን ዝሰርሑ ሰባት ክሶም ዓሚ ከም እተጀመረ ዝፍለጥ እዩ።

መዋቲ ህጻን ካብቲ ትካል ክንክን ጸሊቑ ድሕሪ ምውጻእ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን እለሻ ብኣገልግሎት ህጹጽ እዋን ኣብ ሓደ ቀላይ ጥሒሉ ከም እተረኽበን ናይ ሽዑ ጸብጻባት የመልክቱ። ሞት እዚ ህጻን፡ ብሰንኪ ሽለልትነት ክልተ ሰራሕተኛታት እዩ ክኽሰት ክኢሉ ዘሎ ክብል ኣኽባር ሕጊ ስቴፋን ቨስበርግ ከሲሱ’ሎ። እዞም ክሱሳት ሰራሕተኛታት ነዚ ገበን ኣይወዓልናዮን ክብሉ ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።

“ንዂሎም ኣብዚ ትካል ዘለዉ ህጻናት ብሓደ ሳዕ ምክትታል ኣሸጋሪ ዕዮ” ምዃኑ ሓደ ካብ ተኸሰስቲ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com