Tuesday , May 21 2024
People gather behind a placard showing Prime Minister Abiy Ahmed at a rally organized by local authorities to show support for the Ethiopian National Defense Force (ENDF)(AP Photo) NAI114

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ … ሽወደናውያን ካብ ኢትዮጲያ ንኽወጹ ተማሕጺኑ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዝርከቡ ሽወደናውያን፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ መጸዋዕትኡ ቐጺሉ። ኣማኢት ሽወደናውያን፡ ኣብታ ሃገር ተሪፎም ከምዘለዉ እቲ ሚኒስትሪ ብምውሳኽ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ግጭት እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ካብ ኢትዮጲያ ዝብገሳ ናይ ንግዲ በረራታት፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘለዋን፡ ግን ከኣ ካብታ ሃገር ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክቕየር ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

ሽወደናውያን፡ ካብታ ሃገር ንኽወጹ፡ ብዕለት ብ 5 ሕዳር፡ ናይ መጀመርያ ጻውዒት ከምዝቐረበ ይዝከር።

እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዘለው ሽወደናውያን፡ ኣብ ምንቕስቃሳቶም ዓቢ ጥንቓቀ ክገብሩ፣ ጻዕቂ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ምኻድ ከወግዱ፣ ናይ ኤንባሲ ናይ ጉዕዞ ሓበሬታ ክከታተሉን ኣብ መዝገብ ናይ ሽወደናውያን ዝብል ክምዝገቡን ይምከሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ መግለጺኡ፡ “ኣብ ኢትዮጲያ ዘለው ሽወደናውያን፡ ኣብ ባይታ ንምሕጋዝ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ድሩት ምኻኑ ” ወሲኹ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com