Tuesday , May 21 2024
There will be continued travel restrictions when entering Norway. Foto: Vidar Ruud / NTB

ምሉእ ሽወደን፡ ኣብ ናይ ኮቪድ ቀይሕ ዝርዝር ኣትያ

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ብምውሳኹ፡ ብምሉአን ምምሕደራት ሽወደን፡ ኣብ ቀይሕ ዝርዝር ከም ዝኣተዋ፡ ኤውሮጳዊ በዓል መዚ ተመሓላለፍቲ ሕማማት (ECDC) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻብ NRK ብምጥቃስ፡ ሓቢሩ።

ሎሚ ዓርቢ፡ መንግስቲ ኖርወይ፡ ነቲ ብECDC ዝወጸ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር፡ ናይ መገሻ እገዳታት ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቶም ክድንገጉ ተሓሲቦም ዘለዉ መምርሒታት ድማ ካብ ዝመጽእ ለይቲ ሰኑይ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ምዃኖም ጸብጻባት NRK ሓቢሮም ኣለዉ።

ብመሰረት ሓደስቲ ሕግታት፡ እቶም ካብ ሽወደን ናብ ኖርወይ ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና፡ ናይ ወረቐት ቅጥዕታት ከመልኡ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ምስ በጽሑ መርመራ ኮቪድ ክገብሩን ናብ ኖርወይ ምስ ኣተዉ ድማ ክውሸቡ ምዃኖም እቲ ሓዲሽ ሕጊ ገሊጹ።

እቶም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብሕማም ኮቪድ ተጠቒዖም ዝነበሩ ይኹን ምስክር ወረቐት ናይ ምሉእ እብረ ክታበት ዘርኣዩ ሰባት ግን፡ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሕጊ፡ ኣይክምልከቶምን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com