Wednesday , May 22 2024
(Stefan Sauer/dpa via AP) DSOB105

ሩስያ፡ መስመር መተሓላለፊ ጋዝ: ስራሕ ክጅምር ድሉው ኮይኑ

ኖርድ ስትሪም 2 (Nord Stream 2) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኩባንያ፡ እቲ ኣከራኻሪ ዝኾነ ካብ ሩስያ ናብ ጀርመን ዝዝርጋሕ መተሓላለፊ መስመር ናይ ጋዝ ፡ ስራሕ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።
“ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጸቕጢታት እቲ ናይ ጋዝ ቀረብ ስርሑ ንኽጅምር ድሉው ምዃኑ” እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነዚ ኣመልኪቱ ብሮቡዕ ከምዘረጋገጾ፡ ሰብ መዚ ጀርመን እንድሕር ፍቓደኛታት ምዃኖም ኣፍሊጦም፡ እቲ ቀረብ ናይ ጋዝ በቲ መስመር መተሓላለፊ ኣቢሉ ስርሑ ክጅምር ድሉው ከምዝኾነ ገሊጹ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ጀርመን ምስ ኣጽደቑዎ፡ ሽዑ ንሽዑ ኣዝዩ ብዙሕ መጠን ናይ ጋዝ ብዝዋሓደ ዋጋ ካብ ሩስያ ናብ ኤውሮጳ ክፍኖ ከምዝጅምር ንዜና ማዕከን ናይ መንግስቲ ኣብዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኮይኑ ግና እቲ ናይ ጀርመን ፌደራል ኔትዎርክ ኤጀንሲ (bundesnetzagentur) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተቖጻጻሪ ትካል ቅድም ክብል፡ እቲ መስመር መተሓላለፊ ክሳብ ካልኣይ መፋርቕ 2022 ከይጸደቐ ክድንጉይ ይኽእል ይኸውን እዩ ክብል ገሊጹ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።
ጎና ጎኒ ምስቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያ በቲ ሓደ ገጽን፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሜሪካን በቲ ኻሊእ ገጽን እንዳወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ምስሕሓባት ተተሓሒዙ፡ ኣገዳስነት ናይዚ መተሓላለፊ መስመር ወሲኹ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com