Tuesday , May 21 2024
Russian President Vladimir Putin listens during a meeting in Moscow, Russia, Thursday, Dec. 30, 2021. (Alexei Nikolsky, Sputnik, Kremlin Pool Photo via AP) XAZ101

ሩስያ: ንኣመሪካ ኣጠንቂቓ

ኣመሪካ ብምኽንያት ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ እንድሕሪ ተወሳኺ እገዳታት ጌራ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ጨሪሱ ክብተኽ ከም ዝኽእል ፕረሲደንት ሩስያ ቪላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቑ።

ፑቲን ትማል ሓሙስ ምስ መዘናኡ ጆ ባይደን ኣብ ዝገብሮ 50 ደቓይቅ ዝወድአ ናይ ተሌፎን ርክብ ኣመሪካ እገዳታት ብምጽዓን ዓብዪ ጌጋ ከይትፍጽም ኣጠንቂቑ’ሎ። ይዂንምበር ዩክሬይን እንድሕሪ ተወሪራ ኣመሪካን መሻርኽታን ወሳኒን ጽንኲርን ዝበላኦ ስጒምቲ ንምውሳድ ድሕር ከም ዘይብላ ጆ ባይደን ን ፑቲን ከም ዘፍለጦ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

እዚ ናይ ተሌፎን ርክብ ክግበር ዝጠለበት ሩስያ ኮይና ብኸምዚ ኣገባብ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ክዝትዩ ኣብዚ ወርሒ ዚ ጥራይ ንኻልኣይ ግዜኦም ምዃኑ ተገሊጹ።

ዩክሬይን ኣብ ዶባታ 100 ሽሕ ዝኸውን ሰራዊት ሩስያ ከም ዝሰፈረ ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዓብዪ ወተሃደራዊ ወጥሪ ሰፊኑ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ። እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ምዕራብን ሩስያን ዝነበረ ዝምድና መሊሱ ክሕርፍፍ ጌሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ሩስያ ንዩክሬን እንተወሪራ ተራእዩ ዘይፍለጥ እገዳ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከንብራ ምዃነን ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ከጠንቅቓ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com