Tuesday , May 21 2024
Russian President Vladimir Putin, left, and U.S President Joe Biden (AP Photo/Alexander Zemlianichenko, Pool, File) XAZ914

ባይደንን ፑቲንን እንደገና ብቴሌፎን ክዛራርረቡ ትጽቢት ይግበር  

ፕረዚደንት ሃገረ ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ፕረስዚደንት ሃገረ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ከም ብሓድሽ ብቴሌፎን ክዛራረቡ ምዃኖም፡ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝወጸ ጸብጻብ የመልክት።
እዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ፕረዚደንትታት ዝግበር ዘሎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ንካልኣይ ግዜ ምዃኑ እዩ።
ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ (National Security Council) ወሃብ ቃል ከምዝሓበሮ፡ እቲ ዝርርብ “ብዛዕባ ንመጻኢ ክግበሩ ተተሊሞም ዘለው ዲፕሎማሲያዊ ዋዕላታት ወሲኹ ኣብ ዝተፋላለዩ ጉዳያት” ዘተኩር ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ተወከልቲ ኣሜሪካን ሩስያን ብዛዕባ ኑክልየራዊ እገዳታትን ምስ ምስሕሓብ ዶባት ዩክረይንን ኣመልኪቶም ንጥሪ 10 ኣብ ጀነቫ ተራኺቦም ንኽዝትዩ መደብ ሒዞም ከምዘለው ተገሉጹ’ሎ።
ኣብ መወዳእታ ቀውዒ፡ መንግስቲ ሩስያ ወታሃደራዊ ሓይልታታ ናብ ጥቓ ዶብ ዩክረይን ድሕሪ ምጽጋዓ ስዒቡ፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ተወሳኺ ምስሕሓባት ከምዝተፈጥሩ ዝዝከር እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com