እቶም ብምኽንያት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ኣብ ዝተዳለወ ኣባይቲ ክቕመጡ ፍቓድ ዝረኸቡ ስደተኛታት ነቲ ኣባይቲ ክለቁን ባዕላቶም ኣብ ዝረኸብዎ ኣባይቲ ክነብሩ ከም ዘለዎም እቲ ቤት ጽሕፈት ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ውሳኔ ኣመልኪቱ። ድሕሪ ሎሚ እዞም ሰባት’ዚኣቶም ዝኾነ ዓይነት ናይ መውዕሎ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ ውሳኔ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑን ዝኾነ ሰብ ካብቲ ገዛ ንኽለቅቅ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዕድል ክወሃቦ እዩ። እቲ ውሳኔ ነቶም ጉዳዮም ከምዚ ዝስዕብ ዝኾኑ ስደተኛታት ይጸሉ ።
• ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር መንበሪ ፍቓድ ዝረኸበ (ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሓድሽ ሕጊ)
• ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ጠለብ ምንዋሕ መንበሪ ፍቓድ ንዝሓተቱ
• በቲ ሓድሽ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሕጊ መሰረት ብምግባር ናይ ትምህርቲ መንበሪ ፍቓድ ሓቲቶም ካብ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ንዝጽበዩ ዘለዉ፡ እቶም ገዛ ክለቁ ዝምልከቶም እቶም ብቤት ፍርዲ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦም ዝውሰነሎም ጥራይ እዮም።
እቶም ዝምልከቶም ሰባት ኣብዚ ቀረባ እዋን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ንምስታፍ ዝሕብር ጽሑፍ ክላኣኸሎም ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኤሌክሮኒካዊ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊጹ። ካብ ጥሪ 2020 ጀሚሩ እዚ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑን እቲ ዝምልከቶ ሰብ ድማ ካብ ቤት ጽሕፈት ፍልሰት ውሳኔ ክስደደሉን ካብ ዝበጸሖ ዕለት ጀሚሩ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት እቲ ገዛ ክለቆ ከምዘለዎን ካብ’ታ ዕለት ጀሚሩ ድማ መውዕሎ ኣይክግበኦን እዩ።
እቲ ሰብ ብውልቁ ገዛ ክረክብ እንተዘይክኢሉ ኣብቲ ምምሕዳር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምኻድ ሓገዝ ክሓትት ከምዝኽእልን፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብወገኑ ሓገዝ ክልግሰሉን ዘይክልግሰሉን ይውስን።