Tuesday , May 21 2024

ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝኾነ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ደሚቅ ኣቀባብላ ተገሩላ!!

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣልጀርያውያን፡ ነታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዓቲራ፡ ትማሊ ቀዳም ናብ ኣልጀርያ ዝተመለሰት ሃገራዊት ጋንትኦም ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምላ።እታ ሃገራዊት ጋንታ ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ንሰኔጋል 1 ብ 0 ብምስዓር’ያ ነታ ዋንጫ ወሲዳ።

ንእንግሊዛዊት ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ዝጻወት ሪያድ ማህሬዝ ዝርከባ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፡ ብቀዳማይ ሚንስትር ኑረዲን በዶይ’ውን ኣቀባብላ ተገይሩላ’ዩ።ንተጻወትቲን ኣባላትን ዝሓዘት ኣውቶብስ ብስእሊ ክልተ ከዋኽብቲ ዝወቀበት ኮይና፡ እዚ ከኣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክልተ ግዜ ንዝወሰደተን ዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዘርእይ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com