Wednesday , May 22 2024

ኣማኢት ብልቃጥ ክታበት፡ ብሰንኪ ሽርሒ፡ ዓንዮም

ኣብ ኣደራሽ ክታበት ኣማል (Åmål)፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ናይ ኤሌክትሪክ ምቁራጽ፡ 800 ብልቃጥ ክታበት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኖም ተባሂሎም ከም ዝዓነዉ ንጸብጻባት P4 Väst ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ ናይ ኤሌክትሪክ፡ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ናብ መቆጻጸሪ ክፍሊ ኣትዩ ነቲ መወልዒ ከምዘጥፈኦ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።  ክሳብ ሕጂ፡ መን ከምዝፈጸሞን ወይ ድማ ስለምንታይ ኤሌክትሪክ ከም ዘቋርጽ ተገይሩን ንዝብሉ ሕቶታት፡ መልሲ ከምዘይተረኽቦም ይፍለጥ። እቲ መወልዒ ናይ ምጥፋእ መስርሕ፡ ኮነ ኢልካ፡ ብልቃጥ ክታበት ንምዕናው ተባሂሉ ዝተፈጸመ ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ፡ እቲ ሰብ ብገበን ክሕተት ከምዝኽእል፡ ፖሊስ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com