Tuesday , May 21 2024
Six-year-old Brody Barker waves to his father, Daryl, from outside his hospital room at Missouri (AP Photo/Sarah Blake Morgan) MOSM203

ኣሜሪካ . . . ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ልዕሊ 1 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ ከም ዝሞቱ ገሊጻ

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ፡ ብሕማም ኮቪድ ናይ ልዕሊ 1 ሽሕ ሰባት ህይወት ምሕላፉ ጸብጻብ መዓልታዊ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ሰዓት፡ ብገምጋም 42 ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ ናይዚ ጠንቂ ድማ ደልታ ዝተባህለ ጅር እቲ ቫይረስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ካብ ወርሒ ሰነ ንደሓር፡ ቊጽሪ ተለከፍቲ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ እቲ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። ኣብ ኣሜሪካ ዛጊት 37 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ ከምዝተለኽፉን፡ 620 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ እዚ ሕማም ሂወቶም ከምዝሰኣኑን ይፍለጥ።

333 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኣሜሪካ፡ ዛጊት 358 ሚልዮን ዶዛት ክትባት ዓዲላ እኳ እንተላ፡ ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ብዛዕባ ክታበት ምጥርጣራት ከም ዘሎን ሸፈነኡ ዝተሓተ ምዃኑን ጸብጻባት የመልክቱ።

እዚ እናኾነ፡ ከንቲባ ቴክሳስ፡ ግሬግ ኣቦት፡ ክልተ ብልቃጥ ክታበት ወሲደ ከንሰይ፡ ዳግማይ ብመልከፍቲ ኮሮና ተጠቒዐ ክብል ምግላጹ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣቦት፡ ሓደ ካብቶም ንመስርሕ ዕጽዋን መምርሒታት ኮሮናን ዝቃወም ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com