Tuesday , May 21 2024
The hospital in Borås goes into staff mode as the number of covid-infected people rises while more patients seek other care FOTO Björn Larsson Rosvall / SCANPIX / Kod 9200

ኣብ ሆስፒታላት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ከምዝወሰኸ፡ ተገሊጹ

ኣብ ቦሮስ (Borås) እትርከብ ሆስፒታል ሶድራ ኤልቭስቦሪ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብምውሳኹ፡ ናብ ናይ ሰራሕተኛታት ኣገባብ (Staff mode) ከም ዝተሰጋገረን ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ሆስፒታል ድማ  ልዑል ጸቕጢ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ቦሮስ ቲድኒን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ንሕሙማት ኮቪድ ተባሂሉ ዝተሓዝአ ቦታታት፡ መሊኡ ኣሎ፡ ሓደስቲ ሕሙማት እንተመጺኦምና፡ ኣበይ ከም ነአንግዶም ክንሓስበሉ ክንዳለወሉን ይግባኣና። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ እዚ ልዑል ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕሚ ዘለዎ ደልታ ዝተባህለ ቫይረስ፡  ምሉእ ኣፍልጦ ስለዘይብልና ክብል ሓላፊት ሜዲካል ሓካይም፡ ሳራ ደገርማን ካርልሶን ምስቲ ጋዜጣ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

ናይ ሰራሕተኛታት ኣገባብ (Staff mode) ማለት፡ ፍሉይ ሕክምናዊ ምምሕዳር ብምቛም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልን ኣድላይ ዝኾኑ ስጉምታት ክወስድ ስልጣን ዘለዎ ንክኸውን ዝኽእል ኣገባብ እዩ።

ኣብ ሆስፒታል ሶድራ ኤልቭስቦሪ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብዕጽፊ ምውሳኹን፡ 10 ሓደስቲ ሕሙማት ከምዝኣተዉን ክልተ ካብኣቶም ድማ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ መላእ እቲ ምምሕዳር ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ብዝሒ ሕሙማት ካብ 40 ናብ 52 ክብ ከምዝበለ ተሓቢሩ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com