Tuesday , May 21 2024
Foto: Pontus Lundahl / TT / kod 10050

ኣብ ኣባይቲ ክንክን ሽማግለታት ዝሓሸ ሕክምና ሰዓል ክህሉ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ሽወደን ዝበዝሐ ተጠቃምነት ጸረ-ቫይረስ ክህሉ ከም ዝግባእ ኤጀንሲ መፍረ መድሃኒትታት ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ፍሉይ ኣባይቲ ሽማግለታት ዝርከቡ ኲሎም ነበርቲ፡ ሕማም ጒንፋዕ ምስ ዝረኣዮም ከፊላዊ መድሃኒት ጸረ-ቫይረስ ክወሃቦም ከም ዝግባእ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዘመሓየሾ ለበዋኡ ገሊጹ’ሎ። ብምኽንያት ሕማም ጒንፋዕ ዓመታዊ ብዙሕ ህይወት ከም ዝጠፍእ፡ ብፍላይ ድማ ብዙሕ ተኣፈፍቲ ሕማማት ዘለዉዎም ሰባት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክሓሙ ይገብር ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን ነቲ ኤጀንሲ ብምጥቃስ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com