Tuesday , May 21 2024
Australian Defense Force personnel assist the public at a COVID-19 vaccination clinic in Sydney (Dan Himbrechts/AAP Image via AP) SYD801

ኣውስትራልያ: ልዑል መጠን ለበዳ ኣመዝጊባ 

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት: 914 ሓደስቲ ብኮቪድ ዝተለኽፋ ሰባት ብምርካብ: ኣውስትራልያ: ሓድሽ ክብረወሰን ምምዝጋባ ተገሊጹ። እዚ ማለት: ኣብታ ሃገር 12 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ምህላዎም ዘመልክት እዩ ተባሂሉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ::

ክሳብ 70% ካብ ህዝቢ ኣውስትራልያ ክታበቱ ዝውድእ፡ ተነቢሮም ዘለዉ መምርሒታት ምቊጽጻር ለበዳ፡ ክቕጽሉ ምዃኖም፡ ስኮት ሞሪሰን፡ ገሊጹ።

ዛጊት፡ 30% ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሜኦም ዜጋታት፡ ክታበት ከም ዝረኸቡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣውስትራልያ ድሕሪ ምስፍሕፋሕ ደልታ ዝተሰምየ ጅር ኮሮና፡ 60% ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኣውስትራልያ ዝነብረለን፡ ዝበዝሓ ኣውራጃታት ደቡባዊ ክፋል ኣውስትራልያ (New South Wales, Victoriaን ከባቢኣን) ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ ምህላወን እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣውስትራልያ፡ ምስ ሸብሮ ኣንጻር ዕጽዋ ዝተተሓሓዙ ኣማኢት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ሜልበርንን ሲድኒን እዚ ሸብሮ ከም እተራእየ ተፈሊጡ።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ 981 ሰባት ብሕማም ኮቪድ ከም ዝሞቱን 44 ሽሕ ድማ በቲ ሕማም ከም እትታሕዙን ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com