Tuesday , May 21 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ክልተ ኣዋልድ ድሕሪ ስርቂ ቤት ትምህርቲ መሰኻኽር ኪዀና ይድለያ፣

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቨስተሮስ እተገብረ ዘረፋ ቤት ትምህርቲ ዝተጀመረ መርመራ ይቕጽል ኣብ ዘሎወሉ እዋን፣  ፖሊስ ዝያዳ መሰኻኽር የናድዩ ኣለዉ ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብቶም ጥርጡራት ገበነኛታት ሓደ፣ ብመደየቢ ሊፍት እንዳተጠቀመ እንከሎ ክልተ ተማሃሮ ኣዋልድ

ምስኡ ይጐዓዛ ስለዝነበራ፣፣ እተን ኣዋልድ ብገበን ምፍጻም ዘይጥርጠራ ኮይነን፣ የግዳስ ንምስክርነት ይደልያ ከምዘሎዋ ተገሊጹ።

ፖሊስ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ናበይ ከም ዝኸዱ ዝረኣዩ መሰኻኽር ንምርካብ ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓደ ኻብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ማእከል ዕዳጋ ኢጎር ጐይዩ ከምዝተኸወለን እቲ ኻልኣይ ግን ኣብ ጥቓ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ኣደባባይ ክስወር ከምዝኻኣለ ይንገር ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ክልተ መንሰያት ኣብ ከተማ ቨስትሮስ  ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብምእታዉ ኮምፕዩተራት ተማሃሮ ብምስራቕ ንምህዳም ኣብ ዝፈተንሉ እዋን  ብግዴታ ማኪና ክምንዝዑ ከምዝፈተኑ እዉን ተፈሊጡ። ክልቲኦም ጥርጡራት ኣብ ገጾም መሸፈኒ ተጠቂሞም ምንባሮ ይዝረብ።

 

 

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com