Tuesday , May 21 2024
LINDAHL BJÖRN/Aftonbladet/TT

ክሪስተርሰን ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም ክልተ ተወሰኽቲ ናይ ልዝብ መዓልታት ተዋሂቡ።

መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ መንግስቲ ከቕውም ንዝገብሮ ልዝብ ብኣፈኛ ባይቶ ሽወደን ኣንደርሽ ኖርለን ክልተ ተወሰኽቲ መዓልታት ከም ዝተዋህቦ ተፈሊጡ። ጽባሕ ዓርቢ ክሪስተርሰን ዕዉት ጸብጻብ እንድሕሪ ኣቕሪቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ይዂንዶ ኣይኹን ኣብ ዝብል ባይቶ ዝመጽእ ሰኑይ ድምጹ ክህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ምስ ኣፈኛ ባይቶ ድሕሪ ምርኻብ ክሪስተርሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ምስ ኣርባዕቲአን ቀጽሪ የማናይ ዘቚማ ሰፊታት ዝግበር ልዝብ ብሓፈሻ እኳ እንተተዛዘመ፡ ኲሉ ነገር ንምምላስ ዘኽእሎም ገለ ዝርዝራት ምውዳእ ከም ዘድልዮም ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com