Wednesday , May 22 2024
The medical situation in war-torn Afghanistan is difficult. Picture taken in Kabul last spring. (AP Photo/Rahmat Gul) XRG109

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ናብ ኣፍጋኒስታን መድሃኒት ንምብጻሕ፡ ሓገዝ ይሓትት

ኣብ ዱባይ ተዳልዩ ዘሎ 500 ቶን ዝበጽሕ ናይ ህጹጽ እዋን ሕክምናዊ ረዲኤት፡ ናብ ኣፍጋኒስታን ንክበጽሕ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ሓገዝ ይሓትት ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ሓገዝ፡ ብኣገባብ ተዳልዩን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ኣፍጋኒስታትን ንኽበጽሕ መደብ ተገይርሉ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኤርፖርት ካቡል ንሲቪላዊ ትራፊክ ዕጹው ብምዃኑ ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ወሃቢት ቃል፡ ኢናስ ሃማም፡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢራ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እተን ናብ ኣፍጋኒስታን ንኽኣትዋ ተፈቒዱለን ዘሎ ነፈርቲ፡ ብዱባይ ክሓልፋ’ሞ ነቲ ሓገዝ፡ ንእግሪ መንገደን ክማልኣ ምእንቲ ንምዕራባውያን ሰብ መዚ ሕቶ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com