Wednesday , May 22 2024
Reverend Jesse Jackson (Ludovic Marin/Pool Photo via AP) MEU114

ጀሲ ጃክሰን: ብሕማም ኮቪድ ተታሒዙ

79 ዝዕድሜኡ ኣመሪካዊ ፓስተር: ተጣባቒ ሲቪላዊ መሰላትን ፖለቲከኛን ጀሲ ጃክሰን ከምኡ’ውን 77 ዝዕድሜኣ በዓልቲ ቤቱ ጃክሊን ብኮሮና ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎም: ሬንቦ ኮኣሊሽን: ዝተሰምየ ባዕሉ ዝመስረቶ ትካል ሲቪላዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

 

ጀሲ ጃክሰን ምስ ፍሉጥ ተጣባቃይ ሲቪላዊ መሰላት: ማርቲን ሉተር ኪንግ: ብምዃን ኣብ 1960ታት ኣንጻር ጸለምቲ ዝግበር ዝነበረ ኣድልዎ ዝተቓለሰ ኣመሪካዊ እዩ።

 

ጀሲ: ኣብ ዓመታት 1984-88 ን ፕረዚደንትነት ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ተወዳዲሩ ኔሩ።

 

ጀሲን በዓልቲ ቤቱ ጃክሊንን ካብ 1962 ኣትሒዞም ኣብ ሓዳር ዝጸንሑ ኮይኖም ሕጂ ኣብ ሺካጎ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኖ’ዝዌስተን ሚሞርያል ይሕከሙ ምህላዎም ተፈሊጡ።

 

ፍርቂ ካብ ህዝባ ዘኽተበት ኣመሪካ: ብሓድሽ ደልታ ዝተባህለ ጅር ኮሮና ትጥቃዕ ምህላዋን መዓልታዊ ክሳብ 70 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ይልከፉ ምህላዎምን ጸብጻባት የመልክቱ።

 

ብርክት ዝበለ ዓይነት ክትባት ኮሮና ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ምጒዳሉ ብምግንዛብ ኣመሪካውያን ሳልሳይ ዶዝ ክትባት ጸረ ኮሮና ክወስዱ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዋይት ሃውስ ምጽውዑ ዝፍለጥ እዩ።

 

ኣብ ኣመሪካ ብጠቕላላ 37.6 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ኮሮና ከም እተታሕዙን ልዕሊ 628 ሽሕ ድማ ምሟቶምን ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com