Tuesday , May 21 2024
(AP Photo/David Goldman, file)

ፊንላንድ፡ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጒዳያት ፊንላንድ ብዛዕባ ጸርጊ ኣዮዲን ዝጸንሐ መምርሒታት ኣመሓዪሹ።

ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጒዳያት ፊንላንድ፡ ንማዕድን ኣዮዲን ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መምርሒታት ምምሕያሹ ተገሊጹ። እዚ መምርሒ መጥቃዕቲ ጸርጊ “ራዲዬሽን” ንምክልኻል ተባሂሉ ፈለማ ኣብ 2002 ዝወጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ 2017 ብውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ዝወጸ ለበዋ ኣጠቓቕማ ኣዮዲን ከም እተመሓየሸ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ትካል ኑክሌራዊ ጸዓት ሓደጋ ምስ ዝኽሰት፡ ናብ ኣከባቢ “ሬድዮ-ኣክቲቭ ኣዮዲን” ብምፍናው ኣብ ጽኪ ጒዕጒዕቲ ክእከብ ከም ዝኽእል ጥዕናዊ ጸብጻባት የመልክቱ። እዚ ብፍላይ ኣብ ህጻናት መንሽሮ ጒዕጒዕቲ ከም ዘስዕብ እዩ ዝግለጽ። ዕድሜኣኦም ልዕሊ 40 ዝኾኑ ዓበይቲ ሰባት በቲ ሓደ ወገን፡ ሓደጋ ጸርጊ ምስ ዘጋጥም ከኒና ኣዮዲን ክወስዱ ከም ዘይብሎም እዚ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝወጸ ለበዋ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ሓደጋ ጸርጊ ምስ ዘጋጥም፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ብምእታው መባእታዊ ጥንቃቐ ምግባር ኣዝዩ ውጽኢታዊ ኣገባብ እዩ ዝበለ እቲ ለበዋ፡ ዕድሜኦም ትሕቲ 40 ዝኾኑን ነፍሰ-ጾራትን ግና ከኒና ኣዮዲን ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com