![](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2024/04/9893d3c8-026a-4883-8491-91ae21805f3e.webp)
Credit: Mattias Landström/TT Nyhetsbyrån
ትማሊ ሰሉስ ዝወረደ በረድ ኣብ ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ኣብ ጽርግያታት ዓበይቲ ጸገማት ኣስዒቡ። ኣብ ማእከላይ ደቡባዊ ሽወደን ካብ ዮንሾፒንግ ብሰሜን ሸነኽ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ E4 ፡ ዘሎ ምስጋድ ትራፊክ ክሳብ 25 ኪሎ ሜተር ይዝርጋሕ። “ኣብዘን ሰዓታት ክሰርሕ ትጽቢት ኣይነበረንን” ትብል መራሒት ሎሪ ኢቫ ኪንቶማ ካብ ካቢና ንሃገራዊት ሬድዮ ሽወደናዊት ቻነል P4 i Jönköping ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ።