Thursday , May 2 2024

ኣብ ደቡባዊ ፊንላንድ ከተማ ቫንታ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቪርቶላ ተኹሲ ኣጋጢሙ።

Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ክፍሊ ፖሊስ ምብራቓዊ ኡሲማ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መኮንናቱ ቅድሚ ሰዓት 9.10 ንግሆ ኣብቲ ተኹሲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ከም እተረኸቡን፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ዝወጸ ሓድሽ ሓበሬታ ድማ በቲ ተኹሲ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዘሎ ዘመልክት ተሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ YLE፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ሄልሲንኪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ’ሎ። በቲ ተኹሲ ሰለስተ ሰባት መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ይእመን ክብል ኣፈኛ ፖሊስ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ብተዂሲ ዝተጠርጠረ ሰብን ግዳያትን ኩሎም ዕድሚኦም 12 ዓመት ምዃኖም ክፍሊ ፖሊስ ምብራቓዊ ኡሲማ ሓቢሩ። እቲ ቪየርቶላ ዝበሃል ኩለመዳያዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ክልተ ቦታታት፡ ሓደ ኣብ ሊልጃንቲ፡ ሓደ ድማ ኣብ ጆኪራንታ፡ ኣስታት 800 ተማሃሮን 90 ሰራሕተኛታትን ኣለዎ። እቲ ተኹሲ ኣብ ዮራንክታ ዝተፈጸመ ይመስል ክትብል እታ ዕለታዊት ጋዜጣ ሄልሲንጊን ሳኖማት ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com