Friday , July 12 2024

ጥዕናዊ ጥቕሚ ሰሓቕ

ሰሓቕ፣ እቲ ቀንዲ መፍትሕ ሕጉስ ህይወት እዩ። ሓያል ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ረብሓ ድማ እዩ ዘለዎ። ስለዝኾነ ድማ ኢና ኣብ ዝሃለና ሃሊናን ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ፣ ግዜን ኩነታትን ንሃሉ፣ ወትሩ ምስሓቕ ከነዘውትር ካብ ረብሓታቱ ክንቋደስን ዘለና። ንገለ ካብቲ ሰሓቕ ኣብ ጥዕናና ዘለዎ ረብሓታት እስከ ንርአ፣-

ሰሓቕ ንጥዕና ኣእምሮ ኣገዳሲ እዩ። ሰሓቕ ነቶም ኣብ ሓንጎልና ዝተወቕሩ ኣሉታውያን ስምዒታት ብቐሊሉ እዩ ክድምስሶም ዝኽእል።

ሰሓቕ፣ ኣካላዊ ጥቕሚ’ውን ኣለዎ። ዋላ’ኳ ሚልዮን ግዜ እንተ ሰሓቕና ናብ ሕክምና ካብ ምኻድ ዘድሕነና እንተ ዘይኮነ፣ ብዙሓት ተመራመርቲ ከም ዝሕብሩዎ ግና፣ እቶም ብቐጻሊ ምስሓቕ ዘየቋርጹ ሰባት፣ ምሉእ ኣካላዊ ጥዕና ከም ዝውንኑ እዩ።

ምስሓቕ ናይ ልብና ጥዕና ከም ዘውሕስ እውን ተፈሊጡ ኣሎ። ናይ ጥዕና ተመራመርቲ ከም ዝሕብርዎ፣ ወትሩ ብዙሕ ሰሓቕ ምስ እነዘውትር፣ ልብና ብኦክስጅን ሃብታም ዝኾነ ደም ከም እትጭንጕዕ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com