Monday , May 20 2024

ሂሞግሎቢን ንምውሳኽ ዝሕግዙና መግብታት

ኣይረን፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ መኣዛታት ናይ ነብስና እዩ። እዚ ማለት፡ ሂወትና ብዘይ ኣይረን ክትነብር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይኸውን። ኣይረን፡ ነቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ ደም ዝኾነ ሂሞግሎቢን ይፈጥር። ሂሞግሎቢን፡ ኣብ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ዝርከብ ባእታ እዩ። እዚ ባእታ’ዚ ንደምና ቀይሕ ሕብሪ ከም ዝህልዎ ይገብር። ከምኡ’ውን ማይን ኦክስጅንን ኣብ ኩሉ ኣካላትና ንኽዘውር ይሕግዝ። ስለዚ እምበኣር፡ ዋሕዲ ሂሞግሎቢን ምስ ዝህልወና እቶም ኣብ ደም ዝርከቡ ኦክስጅን ናብ ምሉእ ኣካላትና ክመሓላለፉ ስለ ዘይሕግዝ፡ እቶም ብዋሕዲ ደም ወይ ብዋሕዲ ሂሞግሎቢን ተጠቃዕቲ ዝኾንና ሰባት ኩሉ ግዜ ድኻምን ረሸሽታን ይስምዓና።

ዋሕዲ ሂሞግሎቢን ኣብ ደም ምስ ዝህልወና፡ ኣብ ቀረባ ክንረኽቦም ብእንኽእል መግብታት ክንፍውሶ ንኽእል። ወላ’ኳ ሂሞግሎቢን ብቐሊሉ ክንትክኦ ንኽእል እንተኾንና፡ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት ለውጢ ከነምጽእ ግን ኣይንኽእልን ኢና። ኣይረን፡ ኣብ ደምና ክዘውርን ክትካእን ካብ 4 ክሳብ 6 ሰሙን ይወስደሉ። ስለዚ፡ ለውጢ ኣብ ክልተ ወርሒ ወይ’ውን ልዕሊኡ ስለ ዝርአ፡ ቀልጢፍና ለውጢ ክንጽበ የብልናን። እዞም ዝስዕቡ መግቢታት፡ መጠን ሂሞግሎቢን ኣብ ደምና ንኽውስኽ ዝሕግዙ እዮም።

ከብዲ፡ እታ ቀንዲ ምንጪ ናይ ኣይረን እያ። ኣብ ከብቲ እትርከብ ከብዲ፡ ምስተን ካብ ካልኦት እንስሳታት እንረኽበን ከብዲ ክትነጻጸር እንከላ፡ እታ ዝተሓተ ካሎሪ እትውንን ግን ከኣ ዝለዓለ ምንጪ ናይ ኣይረን ዝርከባ ተባሂላ ትግለጽ። ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ መንጎ እቶም ልዑል መጠን ኣይረን ዘለዎም ኣሕምልቲ ተሰሪዓ መጠን ሂሞግሎቢን ኣብ ነብስና ከነመዓራሪ ትሕግዘና። ኣይረን ካብ ቀይሕ ስጋ’ውን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። እዚ ግን እቲ ስጋ ሕዋስ ስብሒ ክህልዎ የብሉን።

ዓሳ፡ ብትሕዝቶ ‘ኦሜጋ-3 ስብሓዊ ኣሲድ’ ጥራይ ኣይኮኑን ሃብታማት። ብኣይረን’ውን ኣዝዮም ሃብታማት እዮም። ካብ ኩሎም ዓሳታት፡ እቶም ሳርዲንን ሳልሞንን ዝበሃሉ ዝለዓለ ኣይረን ይርከቦም።

ኣሕምልትን ኣእካልን፡- ቀጠልያ ዝሕብሮም ኣሕምልቲ እቶም ዝለዓለ ትሕዝቶ ናይ ኣይረንን ካልሽዩምን ዘለዎም እዮም። መጠን ሂሞግሎቢን ኣብ ደም ንምውሳኽ፡ ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ከም ስፒናች ዝዓይነቶም ኣሕምልቲ ክንምገብ ኣገዳሲ እዩ። ስፒናች ዝዓይነቱ ሓምሊ ኣብ ክንዲ ኣብሲልና፡ ብጥሪኡ ምስ እንምገቦ ዝለዓለ መጠን ኣይረን ክንረኽበሉ ንኽእል። ብተወሳኺ’ውን፡ ኣባዕከ፡ ባልዶንጓ፡ ዓደስን ስምስምን እቶም ዝበለጸ ናይ ኣይረን ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም። ካብ ዓይነታት ኣእካል ምስ እንርኢ ድማ፡ ሩዝ፡ ስገም፡ ኣጃ፡ ዕፉን በዚ ትሕዝቶ’ዚ ሃብታማት ምዃኖም ክንርዳእ ንኽእል።

ትሕዝቶ ቪታሚን ‘ሲ’፡- እዚ መኣዛ’ዚ ዘለዎም ዝተፈላለዩ መግብታት ምስ እነዘውትር፡ ኣካላትና ኣይረን ንኽዕቅብ ይሕግዝ። ገለ ካብቶም ቪታሚን ‘ሲ’ ዘለዎም መግቢታት፡ ኣራንሺ፡ ስትሮበሪ፡ ዘይትቡን፡ ፓፓዮ፡ ወይኒ ዝኣመሰሉ እዮም። ዝለዓለ ቪታሚን ‘ሲ’ ዘለዎም መግብታት ምስ እንምገብ፡ ዝለዓለ ፎሊክ ኣሲድ ዘለዎም መግብታት’ውን ክንወስድ ኣለና። ገለ ካብቶም ዝለዓለ ፎሊክ ኣሲድ ዝርከቦም መግብታት ከም ዓደስ፡ ድሩቕ ባልዶንጋ፡ ዓተር፡ ኣናናስ፡ ፉል ክንጠቅስ ንኽእል።

 ፍረ-ዱባ፡ ኣይረን ኣብ ምውሳኽ ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ። ፍረ-ዱባ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ንምፍዋስ ዝጠቅም ከም ምዃኑ መጠን፡ ብቐጻሊ ምስ እንምገቦ ኣዝዩ ዝበለጸ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ፍረ-ዱባ ብትሕዝቶ ኣይረን፡ ኦሜጋ-3 ስብሓዊ ኣሲድ፡ ከምኡ ድማ ዚንክ ኣዝዩ ሃብታም እዩ። ስለዚ ፍረ-ዱባ ብጥሪኡ ምብላዕ፡ ሂሞግሎቢን ኣብ ምውሳኽ ኣዝዩ ጠቃሚ ይኸውን።

ስትሮበሪ፡ እዚ ዓይነት ፍሩታ’ዚ፡ ሂሞግሎቢን ንምርካብ ብኽልተ መንገዲ ይሕግዝ። እቲ ሓደ፡ ቀንዲ ምንጪ ናይ ኣይረን ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልኣይ ድማ፡ ቪታሚን ‘ሲ’ ስለ ዝርከቦ ኣይረን ኣብ ደም ንምዕቃብ ኣዝዩ እዩ ይሕግዝ። ብተመሳሳሊ፡ ድንሽ ኣይረንን ቪታሚን ‘ሲ’ን ስለ ዝውንን፡ ኣብ ምዕቃብ ሂሞግሎቢን ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ።

 ችኮላታ፡ ሓደ ካብቶም ኣይረን ኣብ ምውሳኽ ዝሕግዙ መግብታት እዩ። ችኮላታ ብቐሊሉ ከይተመስርሐ ዝብላዕ ከም ምዃኑ መጠን ዝበለጸ ይገብሮ። ካብ ኩሎም ችኮላታታት፡ እቲ 80% ካብ ሕብሩ ጸሊም ኮይኑ፡ ሂሞግሎቢን ኣብ ምውሳኽ ዝለዓለ ኣበርክቶ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ኣይረን ወይ’ውን መጠን ሂሞግሎቢን ኣብ ደምና ክንውስኽ ምስ እንደሊ፡ ስርዓተ-ኣመጋግባና ከነመዓራሪ ይግባእ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com