Sunday , June 16 2024
Credit: Jeppe Gustafsson/TT. Gustav Sjöholm/TT. Montage: Sveriges Radio.

ሃከራት ሓበሬታ ክርስቲያን ሽወደን ኣብ “ጸሊም” መርበብ ሓበሬታ ይዝርግሑ

ን ቤተ ሉተራዊት ክርስቲያን ሽወደን ዝምልከት ሰፊሕ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ “ጸሊም” መርበብ ተዘርጊሑ። እቲ ዳታ ብዛዕባ
ኣሽሓት ሰባት ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታን ናይ ክፍሊት ወረቓቕቲን ዘጠቓልል ምዃኑ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢራ። ኣፈኛ እቲ
ቤተክስርስትያን ምንጪ እዚ ዂሉ ምዝራቚ ሓበሬታ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መርበብ ኣይቲ ምዃኑ እያ
ትገልጽ፡፡ ሓደ ጉጅለ ሃከር ቤተክርስትያን ዓሚ ሕዳር እታ ቤተክርስትያን በጃ ክትከፍል እዚ እንተዘይጌራ ግና ግንቦት 21 ውልቃዊ
ሐበሬታ እታ ትካል ክዝርግሕ ምዃኑ ኣፈራሪሁ ኔሩ እዩ። እቶም ተዘርጊሖም ዘለዉ ሓበሬታታት ናይ ኣክሴልን ዎርድን ፋይላት
ኮይኖም፡ ኣስማትን ውልቃዊ ሓበሬታ፥ ስእልታትን ኣድራሻን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ተዘርጊሖም ኣለዉ።
ጒጅለታት ገበን ካብ ከም ቤተክርስትያን ሽወደን ዝመስል ትካል ሓበሬታ ይሰርቊ ምህላዎም ኣሻቓሊ ምዃኑ፥ እታ ትካል ከኣ ነቲ
ኲነታት ንምስትኽኻል ንሰብ ሞያ ብዝሒ ዘለዎ ገንዘብ ወጻኢ ምግባራ እታ ኣፈኛ ወሲኻ ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com