Sunday , June 16 2024
Credit: Magnus Mjöhagen/Sveriges Radio

ሓምለዋይ ሰልፊ: ”ኣብ ክሊማ ዝያዳ ክንሰርሕ ኣለና”

9 ሰነ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ ኣመልኪታ ሬድዮ ሽወደን ካብ ዓበይቲ ውድባት ንዝመጹ ላዕለዎት ኣባላት ቃለ
መሕትት ትገብር ኣላ። ኣባል ሓምለዋይ ሰልፊ ኣሊስ ባህ ኩን ከ ዳግማይ ንምርጫ ትቐርብ ኣላ። ንሳ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ
ዓመታት ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ክሊማ፡ ኣከባብን ዲሞክራስን ከተኩር ከም እትደሊ ገሊጻ’ላ። ኲን ከ ኣቐድም ኣቢላ ኣባል ባይቶ
ኣውሮጳ፥ ኣብ ትሕቲ ስቴቨን ሎፍየን ሚኒስተር ዴሞክራሲን ባህሊን ከምኡ’ውን ኣቕራቢት ተሌቪዥንን ምንባራ ዝፍለጥ እዩ። ንሳ
ነቲ ጓለንስተይቲ መራሒት እቲ ሰልፊ ናይ ምዃን ተኽእሎ ገዲፋ ናብ ባይቶ ኣውሮጳ እትወዳደረሉ ዘላ ምኽንያት “ኣብ ባይቶ ኣውሮጳ
ዓብዪ ለውጢ ከምጽእ እየ” ዝብል እምነት ስለ ዘለዋ ምዃኑ እያ ትገልጽ። ሰልፋ ኣብ ባይቶ ኣውሮጳ ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ
ኣርእስቲታት–ማለት–ክሊማ፥ ተፈጥሮኣዊ ኣከባቢን ዴሞክራስን ከተኲር እዩ። ሓምላይ ሰልፊ ኣብ ፈነወ በካሊ ጋዛት ዘሎ
እገዳ ናብ 70% ክብ ክብል ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ። እዚ ምስቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ 2030 ከተኣታትዎ ሓሲቡ ዘሎ
ናይ 50% ምጒዳል በካሊ ጋዛት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።
“ኣብ ቅልውላው ክሊማ ኢና ዘለና፡፡ ኣብዚ ጒዳይ ነግፈረግ ክንብል የብልናን። ብዙሕ ፋይናንሳዊ ወፍሪ ክንገብር ከድልየና እዩ።
በዚ ሕጂ ዘለዎ ግና ጒዳይ ክሊማ ፍጹም ናብ ግጒይ ኣንፈት እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ካብዚ ንላዕሊ ኣዚና ብዙሕ ምስራሕ ከድልየና
እዩ” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ተዛሪባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com