Monday , May 20 2024

ሃገረ ጀርመን፡ ንምሉእ ክታበት ዝወሰዱ ገያሾ፡ ናብ ሃገራ ክኣትዉ ተፍቅድ

 

መንግስቲ ጀርመን፡ ነቶም ምሉእ ክታበት ኮቪድ-19 ወሲዶም ናብ ጀርመን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ካብ ውሸባ ነጻ ክበሃሉ ምዃኖም ዝገልጽ ሓድሽ መምርሒ ከውጽእ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ዝነበሩ እሞ ዝሓወዩ፡ ከምኡ ውን ነቶም ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዘለዎም ሰባት ዘጠቓልል እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቶም ካብ ሽወደን ትርከበን ልዑል መጠን መልከፍቲ ኮሮና ዘለወን ይኹን ሓድሽ ጅር ኮሮና ዝተራእየለን ሃገራትን፡ ዝመጹ ገያሾ ዝጠቓልል ከምዘይኮነ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እዞም ንጀርመን ንኽኣትዉ ዝተፈቕደሎም ገያሾ፡ ብኤውሮፓዊ ሕብረት ተፈላጥነት ዝረኸቡ ከም በዓል ፋይዘር፡ ሞደርና፡ ኣስትራ ዘነካን ጆንሶንን ዝኣመሰሉ ክታበታት ዝተኸትቡ ክኾኑ ከምዝግባእ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com