Monday , May 20 2024
Stockholm 20210722 Utbildningsminister Anna Ekström vid regeringens sommarfika på torsdagen. Foto Ali Loestani / TT kod 11950

ሃገራዊ መልቀቂ ፈተና፡ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና፡ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ንክኸውን ብሚኒስተር ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣና ኤክስትሮም፡ ክቐርብ ምዃኑ ኣብ ዘካየድቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

መስርሕ ምእራም እቲ ፈተና ድማ ምስ ዲጂታላዊ ኣገባብ ብዝተሓሓዝ መንገዲ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ። እዚ ማለት ድማ፡ ምእኩል ኣገባብ ኣተኣራርማ ናይ ፈተናታት ምጥቃም ማለት እዩ። እዚ ዓይነት ኣተኣራርማ ናይ ፈተናታት፡ ነቲ ብዲጂታላዊ መንገዲ ክእረም ዘይክእል ክፋላት ናይቲ ፈተና፡ ኣብ ክንዲ በቶም ናይ ቀጥታ መምህራን ዘይኮነ፡ ብብቕዓት ዘለዎም ካልኦት መማህራን ዝትግበር ማለት እዩ።

እዚ ዓይነት ኣተኣራርማ ናይ ፈተናታት ምስቲ ኣውቶማቲክ ኣገባብ ተወሃሂዱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መምህራን ዝወርድ ጸቕጢ ከጉድሉ ትጽቢት ይግበረሉ።

ሽወደናዊ ሃገራዊ በዓል መዚ ትምህርቲ፡ ነዚ እማመ፡ ክሳብ ዕለት 15 ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብ ባይቶ ሽወደን ከቕርቦ ምዃኑ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com