Tuesday , May 21 2024
Åsa Fahlén valdes till ny ordförande för Lärarnas Riksförbund (LR) vid fackförbundets kongress på lördagen. Foto: Anders Wiklund / TT / kod 10040

ሃገራዊ ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ልዕሊ 12 ዓመት ተማሃሮ ንክኽተቡ ይጽውዕ

ሃገራዊ ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ኩሎም ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ፡ ጽረ ኮቪድ-19 ክታባት ንክኽተቡ፡ መንግስቲ ሽወደን መምርሒ ንኸመሓላልፍ ጻውዕቱ ኣቕሪቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ቅድሚ ምጅማር ትምህርቲ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መልከፍቲ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ይሕብሩ። ኣብ እዋን ትምህርቲ፡ ንርሕቀትካ ምሕላው ዝብል መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ምትግባር፡ ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ዘይከኣል ግን ኣይኮነን ክብል ፕረዚደንት ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ኦሳ ፋህለን፡ ገሊጻ።

ብሰንኪ ክታበት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጥዕናዊ ጸገማት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ፍሉጥ እዩ፡ እንተኾነ ግን፡ እቶም ዝርከቡ ረብሓታት ካብቶም ጸገማት ዝዓበዩ ብምዃኖም፡ ክታበት ተመራጺ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ። ወላ’ኳ መልከፍቲ ኮሮና ብዝተሓተ ደረጃ ኣብ ህጻናት እንተተራእየ፡ ብሰንኪ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ናይ ምስፍሕፋሕ ስግኣታት፡ ንኹነታት ምስትምሃር ዓንቃፊ ክኸውን ተኽእሎታት ስለዘሎ፡ ነዞም ህጻናት ናይ ምኽታብ መስርሕ፡ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ክብል፡ ፋህለን፡ ጻውዒታ ኣመሓላሊፋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com