Monday , May 20 2024
Chinese students prepare for the opening ceremony of the Haileybury College's Chinese campus in northern China's Tianjin Municipality. (AP Photo/Nomaan Merchant)

ሃገር ቻይና፡ ንናይ ውልቂ ቤት ትምህርታት፡ ትዓጹ

መንግስቲ ቻይና፡ ዜጋታት ካብ ሓደ ንላዕሊ ክወልዱ ብዝሓደሮ ድሌት ብምብጋስ፡ ኣብታ ሃገር ንዘለዋ ንመኽሰብ ዝሰርሓ ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ክዕጸዋ ይገብር ምህላዉ ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ኣመልኪቱ።
ኣብ ቻይና፡ ቆልዑ ምዕባይ ክቡር ወፍሪ ምዃኑ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ዘሎ ጾር ምዕባይ ቆልዑ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰልስተ ዓመት ከጒድሎን ሰብ ሓዳር ካብ ሓደ ንላዕሊ ቆልዑ ንኽወልዱ የተባብዕ ምህላዉን ኒው ቻይና ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።
እዚ ሓበሬታ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ክመሓላለፍ ከም እተገብረን እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ገዚፍ ስንባደ ከም ዝፈጠረን ናይ ኮርፖረሽናት ብርኪ ከንቈልቊል ምግብሩን ተገሊጹ።
ብመሰረት ኒው ቻይና፡ ናይ ወጻኢ ወፍሪ እውን ብቆንስል መንግስቲ ክእገድ ከም እተገብረን ተፈሊጡ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ፡ ስም ዝርዝረን እተረቚሓ ኲባንያታት ኣብ ኢንዱስትሪ ወፍሪ ከይገብራ ተኣጊደን ኣለዋ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com