Monday , May 20 2024

ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ከተማ ስቶኮልም(SL) ካብ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ሓዱሽ መምርሒ ኣጠቓቕማ ትራንፖርት ኣውጺኡ።

ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ከተማ ስቶኮልም ካብ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ኩሉ ተጠቓማይ ብዳሕረዋይ መዓጹ ክድይብን ክወርድን ከምዘልዎ ተሓቢሩ።

ብመስረት ጸባጻብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሄተር እዚ ብኩባንያ ኤስ ል (SL) ወጺኡ ዘሎ መምርሒ ኩሉ ተሳፋራይ ኣብ ክንዲ ብቀዳማይ ማዕጾ ብ ክልተ ዳሕረዎት ማዕጾ ንክድይብ ኮነ ክወርድ ዘገድድ ኮይኑ እዚ ድማ ን መራሕቲ መኻይን ግዳይ ካብ ምግባር ዝከላኸል ሙኻኑ እዩ ዝሕበር። ዝኾነ ሰብ ብድሕሪት ምስተሰቕለ ኣዉን ካብ መራሒ መኪና ዝኽልከል ናይ ጻዕዳ ሪቫ ገመድ  ከመተገብረሉ ወሲኩ ይሕብር። ከምተወስኺ እውን ሰባት ኣብ ዝሳፈርሉን ዝወርድሉን ኮነ ኣውቶብሳት ኣብዝጽበይሉ ርሕቆቶም ክሕልው የተሕሳስብ።

ብመስረት ወሃቢ ቃል መንገዲ ትራንስፖርት አንድሬ ሶዶቤሪ ኣብዚ እዋን መጠን ተጎዓዓዝቲ ብ ኣውቶቡሳት ኮነ ባቡራት ብ 20 ሚእታዊት እካ እንተጎደለ ኣገሎግሎት ትራንስፖርት ግን ከመቀደሙ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።  እሱ ወሲኹ ጽሬት ተሽከረከርትና ንምሕላው ብዝይዳ እካ ንሰርሕ እንተሃለና ሰባት ዝኾነ ምልክት ምስዝስምዖም ኣብ ገዛ ክጸንኹ የተሓሳስብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com