Monday , May 20 2024

ህይወት ኖርወይ ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ይመስል

ኖርወይ፡ ንለበዳ ኮሮና ኣብ ምክልኻል ዝሓሸ ምንቅስቓስ ትገብር ኣላ ዝበለት ቀዳማይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ኣርና ሱልበሪ፡ ኣብያተ መግቢ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ጽላታት ብዘይገደብ ክኽፈቱ ከም ትደሊ ሓቢራ። ይኹን እምበር እዞም ግብራውነት ናይዞም ድልየታት ምስ ኩነታት ለበዳ ስለዝተሓሓዙ፡ እቲ ውሳነ ድሕሪ ክልተ ሳምንታት ክመሓላለፍ ምዃኑ ብምውሳኽ ሓቢራ።

ብመሰረት ሓደስቲ ሕግታት ሃገራዊ እገዳ ኣልኮላዊ መስተ፡ ማለት፡ ቀረብ መስተ መዓልታዊ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝብል ኣይክቕጽልን እዩ። ማሕበራዊ ምትእክኻባት ናብ 600 ክበጽሕን በብጉጅለ ናይ 200 ሰባት ተፈላልዮም ክእከቡ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ለበዳ ኮሮና ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት፡ ብዕቱብ ምክትታልን ዲሲፕሊንን ዝተረኽበ እዩ ዝበለት እታ ሚኒስተር፡ ኣብ እዋን ቀውዒ ዘርኣናዮ ቈራጽነት ክንደግሞ ከም እንኽእል ኣይጠራጠርን እየ ክትብል ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ’ላ።

ኣብ ገለ ቦታታት ገና ናይ ውሸባ ሕጊታት ተግባራውነቶም ክቕጽል ከም ዝግባእ ብምሕባር፡ እቶም ኣብተን ብኮሮና ተጠቒዐን ዘለዋ ከባቢታት ዘለዉ ሰባት፡ ብዛዕባ ምፍኳስ ቀይድታት ብዝምልከት፡ ኣብዝመጽእ ሰሙን፡ ሓበሬታ ክመሓላለፍ እዩ ክትብል ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com