Monday , May 20 2024

ሆስፒታላት ሽወደን ሕጽረት መከላኸሊ ክዳውንቲን ማስከራታትን የጋጥመን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሓካይም ካብ ኮሮና ቫይረስ ዝከላኸለሎም ኣልባሳት ክህሉ እናተገብኦ ዛጊት ኣብ ብርክት ዝበላ ሆስፒታላት ሽወደን ሕጽረት ከም እተራእየ ተገሊጹ። ልዕሊ ዝኾነ ናይ ገጽ መከላኸሊ ከም ዝጥቀስ ድማ ተሓቢሩ። “እንደልዮ ክንረክብ ብዙሕ ጻዕርታት ንገብር

ኣሎና” ትብል ካብ ዞባ ሶርማላንድ ዝኾነት ሄለና ሶደርኲስት። እዚ ሽግር ኣብ ሆስፒታላት ሽወደን ጥራይ ዘይኰነ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝረአ ዘሎ እዩ። ኣብ ቦርድ ሃገራዊ ጥዕናን ድሕነትን ዝሰርሕ ታሃ ኣለክሳንደርሰን ኣብ መኽዘንና እዂል መካለኸሊ ኣልባሳት የብልናን ክብል ምምራሩ ድማ ተሓቢሩ። እቲ ኣሎ ዝበሃል እውን እንተኾነ ነዚ ሽግር ንምግጣም እዂል ኣይኮነን ክብል ጠቒሱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com