Monday , May 20 2024

ሆስፒታል ሶደርቴልያ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ካብ ማዕዶ ይከታተል

ሆስፒታል ሶደርቴልያ፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ካብ ማዕዶ ንኽከታተሎም ዘኽእል ሓዲሽ ኣገባብ ከምዘተኣታተወ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።

እዚ ሓድሽ ኣገባብ፡ ሓደ ብኮቪድ-19 ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ንገዝኡ ዝማለኦም ሓንቲ ኮፒተር (ላፕ ቶፕ)፡ ጸቕጢ ደም፡ ኣብ ደም ዘሎ መጠን ኦክስጅን፡ ምስትንፋስን ረስንን ዝዕቅኑ መሳርሒታት ይወሃቦ’ሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ሰዓታት መርመራ ድሕሪ ምግባር ውጽኢት መርመራ ናብቲ ሆስፒታል ይሰድድ።

እዚ ሓድሽ ኣገባብ፡ ንኩነታት’ቲ ሕሙም ብቐረባ ንኽንከታተልን ኣብ ግዚኡ ዝግባእ ሓገዛት ንኽንገብረሉ ዘኽእል እዩ ክብል ኣብ ሆስትፒታል ሶደርቴልያ ዝሰርሕ ሓኪም፡ ሮላንድ ሶደርሆልም ገሊጹ።

እዚ ዓይነት ኣገባብ ኣብ መላእ ሆስፒታላት ሽወደን እንተዝንጥቀመሉ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሕማም ንንውሕ ዝበለ እዋን ዝቕጽል ስለ ዝመስልን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝደልዩ ሰባት ድማ ውሑዳት ኣይክኾኑን እዮም ክብል ሶደርሆልም ብምውሳኽ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com